ዝኸበርካ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ

ዝኸበርካ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ

ማሕሙድ ሳልሕ

ብቀዳምነት ዕድመን ጥዕናን እምነየልካ። ጽሑፋትካን ንጥፈታትካን ብኣኽብሮት’የ ዝከታተሎ። ኣብዚ፡ ጫቝጫቝታን ዕግርግርን ዝመልኦ ግዜ፡ ከምዚ ከማኻ ኣንፈትና ከይንስሕት ዘዘኻኽሩና ዓበይቲ ዓዲ እንተዝበዝሑልና ከመይ ምጸበቐ። ክርዳድን ስርናይን ክንኣሊ ዝመኽሩና ምኩራት፡ እቲ ቁም-ነገር ካብ ቆሎ-ጥጥቆ ክንፈልን ኣብቲ ኣገዳስን መሰረታውን ክነድህብ ዝገንሑና እንተዝስስኑልና ክንደይ ኮን ድንቂ ምኾነ። ኮይኑ ግን፡ ፈጣሪ ልብና ኣዕብዩ ነቶም ዝርካብኩም ውሑዳት ዓበይቲ ዓዲ ብጽሞና ክንሰምዓኩም እንተዘኽእለና እውን ኣይምኸፍአን። ስለ’ዚ፡ ዋሕዲ ምኽሪ ዝልግሱ ለባማት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋሕዲ  ምኽሪ ክሰምዑን ክመሃሩን ዝኽእሉ ሰባት እውን ኣሎና እዩ። ነዚኣ ክጽሕፈልካ ከለኹ፡ ክምድረካን ክምህረካን ዘይኮነስ ከምቲ ኣብ መንጎ ንኡስን ዓብን ኣሕዋት ዝግበር ዘተ፡ ነቲ ትገብሮ ዘለኻ ጽምዶ ዝግበኦ ክብርን ኣፍልጦን ክህቦን፡ ንበይንኻ ዘይኮንካስ ይውሓድ እምበር ዝሰምዓካን ዘድንቐካን ሰብ ከምዘለካ ንምዝኽኻር እዩ።

እምበኣር ነዛ ናብ ኣባላት ህግሓኤ ነበር ዝቐንዓት ምሕጽንታኻ መሰረት ብምግባር፡ ርኢቶይ ክውስኽ። ነዚ ርኢቶ ክጽሕፍ ክተበጋግሰኒ ብምኽኣልካ ብጣዕሚ እየ ዘመስግነካ። ኣብዛ ዝጸሓፍካያ ምሕጽንታ ብዙሕ ኣርእስታት ተንኪፍካ ‘ኳ እንተለኻ ኣብቲ ንህግሓኤ ዝምልከት ጥራይ ክሕጸር እየ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ “ንህግድፍ መን ድዩ ጠጠው ኣቢልዎ ዘሎ”  ዝብል ቴማ። ገዲም ኣባል ጃብሃ ዓባይ ምንባርካ ግን ከኣ ፍርቂ ኣካልካ ኣብ ህግሓኤ ምንባሩ እፈልጥ እየ። በዚ ድማ እየ ህዝቢ ኤርትራ ብብስለቱ ኩሉ ግዜ ንመራሕቲ ውድባትን ካድረታቶምን ምስ ቀደመ እዩ ኢለ ዝኣምን። እምበር፡ ከመይ ኢሎም እዮም ኣባላት ሓንቲ ስድራ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ክወፍሩን ክጋደሉን ዝኸኣሉን? ብዓይኒ ኤርትራውያን ተሓኤ ትኹን ህግሓኤ ንኤርትራ ሓራ ከውጸኣ ዝጋደላ ዝነበራ ሃገራውያን ውድባት እየን ነይረን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዩ ኤርትራውያን ክስለፉ እንከለዉ ምስታ ኣብቲ ግዜ ምስላፎም ኣብቲ ኣከባቢ ትዝንቢ ዝነበረት ውድብ ዝጽንበሩ ዝነበሩ። ኣብ ሓንቲአን ንምስላፍ ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ኣውራጃ ረቛሒታት ምርኣይ እኹል ምኽንያት ኣይነበረን።

ኣብዘን ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንደምበ ተቓውሞ ይኹን ነቲ መንግስቲ ብዘይንሕስያ ክትነቅፍ ጸኒሕካ ኢኻ። ሓደ ናጻ ዜጋ ዝገብሮ ዜግነታዊ ሓላፍነት ከኣ ንሱ እዩ። ንውልቃዊ ዝናን ረብሓን ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ፡ ስማን ቦትኣን ነቲ ዝተኸፍለላ ዋጋ ዝመጣጠን ኤርትራ ክተረክብ ትገብሮ ዘለኻ ርብርብ ምኻኑ ንዝኾነ ንጽቡቕ ኤርትራን ህዝባን ዝሓስብ ሰብ ብሩህ እዩ። ምኽሪ ምልጋስ ካብ ሚሳይላት ይሕይል፣ ካብ ወርቂ ይኸብር። መራሕቲ ትካላትን መንግስታትን ምኽሪ ንምእካብ ከቢድ ንዋታውን ገንዘባውን ወፍሪ እዮም ዝገብሩ። ፖለቲካኛታት ኤርትራ ግን (መንግስቶምን ተቓወምቶምን) ኣእዛኖም ዝፈትዎ ቃና እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ፍልይ ዝበለ ርኢቶታት ክሕውሱ ልቦና ዝተዓደሉ ኣይመስሉን።

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ እቲ ንትኹላዊ መስመር ክምግብ ዝግበኦ ርኢታታት ናይ ደለይቲ ጽቡቕ፡ መሓንቖ ለኲትዎ ፋይዳ ኣልቦ ኮይኑ ይተርፍ። ካብ ታሕቲ ንላዕሊዝውሕዝ ርኢቶታትን እማመታትን ወይ ድማ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝዛሪ ምኽርን ሓበሬታን ከምቲ ዝግበኦ ብስሉጥነትን ቅንዕናን እንተተመሓላሊፉ ንጥዕና ናይ ሓደ ትካል ይኹን ውድብ ወይ መንግስቲ ጽቡቕ እዩ። ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ዘሎ ትኹላዊ መስመር ርክክብ እንተተኾሊፉ ግን ኣብ መወዳእታ ድስካለን ደውታን እዩ ዝፈጥር። ምኽንያቱ እዚ ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ወይ ኣብ መንጎ ወከልትን ተወክልትን ዘሎ ቅብብል ሓሳባት እዩ ንሓደ መንግስቲ ወይ ውድብ ዲናሞ ዝኾኖ። እዚ ትኹላዊ መስኖ ሓሳባት’ዚ እንተዘይሓየለ፡ ርኢቶታትን እህን-ምህን ንጋድም ገጾም የስፋሕፍሑ። ጋድማዊ ምስፍሕፋሕ ሓሳባትን ክትዓትን ንጥዕና ደሞክራስያዊ ባህሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዞም ሓሳባት ናብ ሓባራዊ ርድኢትን ናብ ኣሳላጥነት መደባት ዕዮን ዝመርሕ ትካላት ሓበሬታን ውዳቤን የድልዩ። ጠርናፍን ኣማእዛንን ዘይብሉ ጥርዓናትን መረረን ህዝቢ ተነፍዩን ተመምዩን ኣክንዲ ኣብ መዓላ ዝውዕል፡ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ቡንን ፓልቶክን ክናፈሱ ይነብሩ። ከምኡ እውን ካልእ ከም ናይ ባዶ ሰለስተታት ዝኣመሰሉ ማዕከናት ኣብ ምምጋብን ይባኽኑ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተካእቲ ወግዓውያን መራሕቲ ዝኾኑ ጨለታት ኢንተርነት ይፍጠሩ። ህዝቢ ካብ መራሕቱ ክረኽቦ ዝግበኦ ወግዓዊ ሓበሬታ ስኢኑ እዞም ጨለታት ፓልቶክ ከም መተካእታ ምንጪ ሓበሬታ ይውሰዱ።  ናይ ኢንተርነት ምንቅስቃሳት ይኹን ናይ ዜጋታት ክትዓት ሕማቕ እዩ ማለት ዘይኮነስ፡ ናጻ ዝኾነን እምነት ዘጥረየን ምንጪ ሓበሬታ ኣብ ዘይብሉ ግዜ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ፓልቶካት ዝግበር ኣዋቓዕን ከፋፋልን ክትዓት ነዞም ዘይወግዓውያን ጨለታት ንኽዕንብቡ ባብ የርሕወሎም። እዚ ድማ ነቶም ብድሕሪ መጋረጃ ብስምና ክወዓዓሉ ዝደልዩ ፖለቲካኛታት ዝምእምእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እንተ ንጽህና ይውሓዶም እንተ ሓሞት፡ “እዚ ገይርና፣ ኣብዚ ተዓዊትና፣ኣብዚ ድማ ፈሺልና” ክብሉና ስለዘይክእሉ በዞም ዘይወግዓውያን  ኣፈኛታቶም ደሮና ከጽግቡና ይረኣዩ ኣለዉ። ክኸፋፍሉና እውን ይጽዕሩ እዮም። ከምዚ ከማኻ፡ ኣብ ሓቅን ቅንዕናን ዝረገጹ ዜጋታት ይብዝሑ ሓው ቀለታ።

ክቡር ኣቶ ቀለታ፡ ኣብቲ መበገሲ ናይዚ ጽሑፍ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ክመልሰካ። ኣይተጋገኻን። ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ ደው ኣቢሎሞ ዘለዉ ኣዕኑድ ክልተ እዮም። እቲ ቀዳማይ ንህግድፍ ደው ኣቢሉ ዘሎ ዓንዲ፡ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ “ይብጸሓኒ ወይ ይግበኣኒ” ዝብሎ ንህዝባዊ ግንባር ዝፈጠረን ኣብ ዓወት ዘብጸሐን ጉዕዞ እዩ። ድሕሪ ተሓኤ ህግሓኤ እቲ እንኮ መሪሕ ኮይኑ ንኤርትራውያን ጠርኒፉን መሪሑን እዩ። ከምቲ ካድረታት ደብረ-ዘይቲ ዝብልዎ ዘይኮነስ፡ ሰውራ ኤርትራ ምሉእ ተሳትፎ ኤርትራውያን ዝነበሮ ህዝባዊ ምንቅስቃስ እዩ ነይሩ። ህግ ኣብ ሓደ ጫፍ ሃገር ተጨጪሑን ኣብ ሓደ ከባቢ ደንበርበር ክብል ጸኒሑ ዕድል ምስ ተፈጥረሉ ኣብ እንግደዓ ካልኦት ተኾዪጡ ኣብ ሓደ ረፍዲ ንምልእቲ ኤርትራ ዝተቆጻጸረ ውድብ ኣይነበረን። ህግ ንሓደ ብሄር እየ ዝውክል ኢሉ ዘንቀደ፡ ግዜ ምስ ማእመኦ ግን ናብ ኩላ ኤርትራ ዝለሓመ ባርዕ ኣይነበረን። ህግ ንሓደ ካብ ካልእ ዝያዳ ኣይብጻሕን። እቲ ሓረስታይን ጓሳን፡  ወዲ ከተማን ገጠርን ፡ ምሁርን መሃይምን፡ ኣስላማይን ክስታናይን ወዲ ከብሳን ቆላን ብኹሉ ሕብሮምን ቋንቋኦምን ግሩም ባህላዊ ክብርታቶምን ተሰዊኦምሉ እዮም። ኣስከሬኖም ሃይማኖትን ወገንን ከይፈለየ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተሳንዩ ይነብር ኣሎ። ዝመጸ እንተመጸ ወኖምን መንፈሶምን እውን ዝዝረግ ኣይመስልን። ኤርትራ ሓደ ወገን ልዕሊ ካልእ “ኣነ ዝያዳ ከፊለላ እየ’ም ዝያዳ ትብጸሓኒ’ያ” ዝብላ ሃገር ኣይኮነትን። ስድራታትን፡ ሕ/ሰባትን ኣውራጃታትን ኤርትራ ኣብቲ ኤርትራ ንምምጻእ ዝተገብረ ብርቱዕ ቃልሲ ተመጣጣኒ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። እዚ እዩ ንኤርትራውያን ፍሉያት ዝገብሮም።

በዚ መሰረት እምበኣር፡ ህግድፍ ተጸጊዑዎ ዘሎ ፓሎ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትን ዘማዕበሎ ፍቕሪ ሃገርን ሓድነትን እዩ። እቶም ትማሊ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠትሎም ወይ ድማ ሎሚ ሕማም ድግሲ ዝሓዞም ሰባት ነዚ ሓቂ’ዚ ይፈልጥዎ እዮም። ስለ’ዚ እዩ ከኣ ነዚ ክውንነት እዚ ንምቕያር ብዘይዕርፍቲ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።  “ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ” እንተበሉን ኣብ ልዕሊ ስዉኣት ኤርትራ እንተላገጹን ኣይተሓዘሎምን እዩ። ስርሖም ይሰርሑ ኣለዉ። እቲ ከገርመና ዘለዎ ጉዳይ ናይቶም “ካብዚ ንረብሕ ንኸውን” ዝብሉ ተበለጽቲ ሃገራውያን እዩ። ኣብ መንጎ እዞም ጉጅለታት ዘሎ ዘይቅዱስ ኪዳን መቸም ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። ዝኾነ ንኣወንታውን ነባርን ለውጢ ዝቃለስ ዜጋ ነዚ ዘይቅዱስ ኪዳን ከስተብህለሉ ኣለዎ። እቶም ተበለጽቲ ሃገራውያን ዘገድሶም ቀዳምነት፡ ዋግኡ ብዘየገድስ ንህግድፍ ምልጋስን ስልጣን ምሓዝን እዩ። በቲ ካልእ ድማ፡ ንኡስ ወለዶ ምስ ታሪኽ ኣቦታቱን ኣደታቱን ከምዝዋጋእ ምግባርን ርጉእ ምስግጋር ስልጣን ዘይብሉ ሃዋሁ ምፍጣርን ነቶም ንናጽነት ኤርትራ ክቕልብሱ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዘለዉ ሃሱሳት ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝኸውን። ስለ’ዚ፡ እዞም ክልተ ጉጅለታት እዚኦም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ኣገባብ ቃልሶምን ናይ ቀረባ ዕላምኦምን ይራኸቡ እዮም። ዋግኡ ብዘየገድስ ህግድፍ ምእላይ ኣብ ዝብል ስትራተጂ ዝተኣኻኸቡ እዮም። እዚ ነቶም ሃገራዊ ዓቕምታት ከስምሩ ሒዅ ዝብሉ ዘለዉ ዜጋታት ይኹኑ ውዳባት ዝምልከት ወቐሳ ኣይኮነን።  ህዝቢ ዝሰረቱ ለውጢ ከቐላጥፉን ርጉእ ምስግጋር ስልጣንን ክህሉ ብሓላፍነት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ክነተባዖምን ክንድግፎምን ኣለና።

ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ክግለጽ ኣለዎ። ገለገለ መራሕቲ ተቓውሞ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርኡይ ሸታሕታሕ ኣርእዮም እዮም። ነዚ ዘሕብን ታሪኽ ኣክንዲ ዝሓቝፍዎን ዝዕቅብዎን፡ እንተወሓደ፡  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክወድቕ እንከሎ ሸለል ክብልዎ መሪጾም። ገለ-ገለ ውልቀሰባት ከይሓፈሩ፡ “ኣብዚ በጺሕና ዘለና ብሰንኪ እዚ ንታሪኽና ዘለና ኣመና ኣኽብሮት እዩ” ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ነቲ ምስ ሓርበኝነትን ጽንዓትን ሓድነትን መስዋእትን ተእሳሲሩ ዝትረኽ ዛንታ ከም ወተሃደራዊ ሃላልነት ተወሲዱ ምስ ህግድፍ ጥራይ ከም ዝተኣሳሰር ገይሮም ክሕዝዎ ጸኒሖም። እዚ ድማ ምስቲ ምስ ወያነ ዘማዕበልዎ ዘይቅዱስ ኪዳን ተደሚሩ ተወሳኺ ምኽንያት ናይቲ ድኑስ ህላዌኦም ኮይኑ ኣሎ። ብኣንጻሩ ግን ንህግድፍ ትንፋስ ዝህብን ዘስብሕን ኮይኑ ጸኒሑ።

ቅንዕንኡ ብዘየገድስ፡ መን እዩ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ ዝምድር? ህግድፍ። መን እዩ ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣስካሕካሒ ግፍዓታት ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝልፍልፍ? ህግድፍ። መን እዩ ብዛዕባ ርእሳ ዘቕንዓት ኤርትራ ዝዛረብ? ህግድፍ። መን እዩ ብዛዕባ ሓድነትን ምጽውዋርን ክብርታት ዝዛረብ? ህግድፍ። ነዚ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝተኾስኵሰ ባህላዊ ክብርታት ከም ጸረ-ደሞክራስን ጸረ ለውጥን እንተደኣ ተቖጺሩ ደኣ፡ እቲ ለውጢ’ኮ ኣብ ባዶሽ ኣይህነጽን እዩ። ለውጢ ‘ኮ ኣብ ዘመዝገብካዮም እወታውያን ክብርታት እዩ ዝህነጽ። ንሎሚ ትማሊ ወሊዳታ። ንጽባሕ ድማ ሎሚ ትወልዳ። ገለ መራሕቲ ተቓው ንህግድፍ ካብ ህግሓኤ ኣክንዲ ፈልዮም ዝወቕዑ፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ኣብ ናይ  70ታትን 80ታትን ቂምታ ዝተሰረተ ስትራተጂ ኮይኑ ንህግድፋውያን ምስ ህግሓኤ ኣልጊብካ ምዝባጥ እዩ። ንህዝቢ ክትመርሕ እንተኾይንካ ነቲ ህዝቢ ምፍላጥ የድሊ። እቲ ሓቂ ድማ ህግሓኤ ዳርጋ ክሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወኣሉ ውድብ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ በቲ ሓደ ወገን መራሕቲ ተቓውሞ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብሸለልትነት ብምሓዞምን፡ በቲ ካልእ ድማ ህግድፋውያን ነዚ ነጥቢ’ዚ ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ብምምዝማዞምን፡ እቲ ሚዛን ንረብሓ ህግድፍ ክዘብል ክኢሉ ጸኒሑ። ስለ’ዚ ኣብዚ ቀዳማይ ንህግድፍ ደጊፉ ዘሎ ዓንዲ፡ ኩልና (ኣባላት ህግሓኤን ዘይባላትን) ኣበርክቶ ኣሎና። ኢሰያስን እቶም ንሱ ዝመርሖም ውሑዳት ኣሳለጥትን ኣብዚ ዘብጸሖም ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዘሰወዶም ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዝተኸላኸለሎም እውን ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብቲ ንህግድፍ ደጊፉ ዘሎ ካልኣይን ኣገዳስን ዓንዲ ክሰግር። ብልክዕ ኣብዚ እውን ሓቂ ጽሒፍካ። ኣባላት ህግሓኤ ነበር (ተጋዳላይን ሲቪልን) ብቀዳምነት ክንሕመን ክንንቀፍን ግቡእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ኢሕ ኢልና ዝወለድናዮን ዝኾስኮስናዮን እዩ። ፈቲና ጸሊእና ባዕልና ዝፈጠርናዮ እዩ። ሎሚ ኩነታት ምስጻዕጸዐ ናብ ኣባላት ካልኦት ውድባት ክንድርብዮ ኣይኮናን።  ኣባላት ተሓኤ ነበር ክሕመሉልና ኣይኮኑን። ካልኦት ውድባት ብቑዕ መተካእታ ብዘይምፍጣሮም ክንውንጅሎም ንኽእል። እቶም ንህግድፍ ብቅድመ-ግንባር ኮይኖም ዘገልግልዎ ዘለዉ ግን ኣባላት ህግሓኤ ነበር ብፍላይ ተጋደልቲ ነበር ምኻኖም ክንዝንገዖ የብልናን።ጸጽቡቕ ታሪኽን ሓድግን ህግሓኤ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ግዕዘዩ እውን ብቀዳምነት ናትና እዩ።

ስለ’ዚ፡ ንሕና እውን እቲ ታሪኽ ዝገደፈልና ኣብ ልዕሊ ኣባላት ካልኦት ኤርትራውያን ውድባት ዘለና ናይ ምጥርጣርን ጽልእን ሓጹር ሰጊርና ናብ ሃገራዊ ፍታሕን ዕርቅን ክነማዕዱ ክንጽዕር ኣለና። ምዕቡል ሲቪላዊ ሕ/ሰብ ኣብ ምምስራት ከምዝፈሸልና ብዘይዕጥይጥይ ክንቅበሎ ኣለና። እዚ ንመንእሰያት ዘንፍጽ ዘሎ ስርዓት ኣብ ድኻምናን ደምናን ዝተሰረተ ምዃኑ ክንኣምን ኣለና። ንለውጢ ብዙሕ ከፊልና ኢና። ሎሚ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ መራሕትና ዝርከብዎም በብግዚኡ ብፖልለቲካዊ ምኽንያታት ዝተቐየዱ ኣባላትና ብዙሓት እዮም። ቀዳሞት ግዳያት ናይዚ ስርዓት’ዚ ኣባላት ህግሓኤ ነበር እዮም እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ ንለውጢ ብቐዳምነት ክንጠልባ ዝግበኣና ንሕና ኣባላት ህግሓኤ ነበር ኢና። ምስቶም ታሪኽ ናብ ኣንፈቱ ክመልሱ ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ኣብ ምትፍናንን ምጥርጣርን ዘእትወና የለን። ልዕሊ ሰብና እንተዘይኮይኑ ትሕቲ ሰብና ኣይደመናን። ታሪኽ እዩ ምስክርና። ንሓፍረሉን ንደነሉን የብልናን። ግን ኣብዚ ግዜ’ዚ ነዚ ስርዓት እዚ እንዳተኸላኸልና ጸሓይና እንተዓሪባ፡ ዝከላኸለልና ታሪኽ የለን። ምኽንያቱ ታሪኽ እንዳተበደለ ኣይረዳእናዮን ማለት እዩ። ንሓደ ውልቀሰብ ወይ ውድብ ዘይኮነስ ምእንቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንእስነትና ኣብሊና። ስዉኣትና፡ ታሪኾም መታን ክነዕርን ክነረትዕን ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክንወስድ ይጽበዩና ኣለዉ። እታ ነጥቢ ቀላል እያ። ኢፍትሓዊ መንግስቲ ኢፍትሓዊ እዩ። ናትካ ይኹን ናይ እንዳማትካ። ንሓደ ኢፍትሓዊ መንግስቲ ምክልኻል ከም ኣብ ልዕሊ መቓብር ሰማእታትና ምጽዋት ክቑጸር ይከኣል። ነቶም ኣብ ፈቐድኡ ዝሓደግናዮም ሰማእታትና ዘቕስን ሓደ ነገር ምስ እንገብር ጥራይ እዩ። ንሱ ከኣ ኣብ ጎድኒ እቲ ንፍትሓውን ዘላቒን ለውጢ ንምምጻእ በብመገዱ ፋሕተርተር ዝብል ዘሎ  ህዝቢ ደው ምባልን ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምምስራትን እዩ

ኣብ መወዳእታ ንመንእሰያት ክብሎ ዝደሊ፡- ወለዶታት ዝነብሩሉ ግዜን ቦታን ዝፈጥሮ ሕጽረታት ኣለዎም። ወለዶ ገድሊ ናይ እዋኑ ብደሆታት ተጋዲሉ ስዒሩ። ልኡላውነት መሬት ኣረጋጊጹን ተኸላኺሉን። ይሕመቕ ይጸብቕ ሰረታት መጻኢ ኤርትራ ዝኸውን ትሕተ-ቅርጻ ሰረታት (ኣካላዊ ይኹን ናይ ኣተሓሳስባ) ኣንጺፉ ኣሎ። ብልክዕ፡ እቲ ጉዕዞ ህዝቢ ብዝመርጾን ንህዝቢ ብዝምእዘዝን መንግስቲ ኮይኑ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እቲ ውጽኢት እወታውን ተዓጻጻፍን ምኾነ። እቲ ክሳራ ኣዝዩ ምነከየ።  ናይ ገድሊ ወለዶ ልኡላውነት ሃገር ዘረጋገጸ ክኸውን ከሎ እቲ ንምሕራር ኣእምሮ ወዲሰብ ዝግበር ገድሊ ግን ቀጻሊ እዩ። መንእሰያት ድማ እጃሞም ክስከሙ ኣለዎም። ስልጣን ገደብ እንተዘይተጌርሉ ግናይ እዩ። ንዘልኣለም መራሕን ኣዛዝን ክኸውን ዘይደሊ ውሑድ እዩ። ብኡ መሰረት እዩ ድማ ንመራሕቲ ገደብ ስልጣን ዝግበረሎም። ኣብ ሃገርና ዘለዉ መራሕቲ ነቲ ገደብ ከንብረሎም ዝኽእል ቅዋም ከይትግበር ሸንኾለል የብሉና ኣለዉ።ብሓጺሩ፡ ገደብ ስልጣን ንዕኦም ሕማም ርእሲ እዩ። ስለ’ዚ፡  ናብ ቀልቦም ክምለሱ ወይ ድማ ክጓሓፉ ናይ መንእሰያት ግደ ክዓዝዝ ኣለዎ። ታሪኽ ብኣልማማ ኣይከሰካን እዩ። ኣብ ግዜኻ እንታይ ገይርካ እዩን ዝብለካ። እቲ ግዜ ናትኩም ናይ መንእሰያት እዩ። ታሪኽ ኣቦታትኩምን ኣደታትኩምን መርምርዎን ተማሃሩሉ። ነቶም ንጉዕዞ ለውጢ ዝሓንቁ ዘለዎም ውልቀመራሕትን ውድባትን፡ ብኣኽብሮት “ሕጅስ ዕረፍቲ ይግበኣኩም። ዓቕምኹም ገይርኩም ኢኹም” በልዎም። ካብቲ ጽቡቕ ሓድግታቶም ተመሃሩ፣ ነቲ ግዕዘይ ሓድግታት ከይትደግሙ ግን ተጠንቐቑ። ኤርትራ ናይ ዝተፈላለዩ ወለዶታትን ተመክሮታትን ምዝርራብን ምምኽኻርን የድልያ ኣሎ። እቲ ናይ ምምኽኻርን ምዝታይን መስርሕ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክቕጽል ኣለዎ።

እቶ ቀለታ ኪዳነ፡ በቲ ኣብ ልዕለኻ ክመጽእ ዝጸንሐ ወረን ነቐፌታን ነቕ ከይበልካ ኣብ ሓቂ ዝተሰረተ ማዕዳን ምኽርን ክትልግስ ብምጽናሕካን ነዓይ እውን ነዛ ብታህዋኽ ዝጸሓፍክዋ ርኢቶ ንኽህብ ዘተባብዕ ኣርእስቲ ብምልዓልካን ብዘይቃልዓለም ብምትንታንካን የመስግነካ። ቀጽሎ እብለካ።

ሓውኻ ማሕሙድ ሳልሕ

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s