
ደምበ ተቓውሞ፡ ዕድላቱን ብደሆታቱን (2ይ ክፋል)
ብማሕሙድ ሳልሕ
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ደምበ ዝበሃል ቦታ ጥራይ ዘይኮነስ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ስምዒታውን መዳያት ዘጠቓለለ ኣምር ምዃኑ ንምብራህ ምስቲ ብባህልን ልማድን ደምበ ዝበሃል ቃል ብምዝማድ ክትንትን ፈቲነ። ደምበ ብወለንታ ኣባላቱን ብጻዕሮምን ይሕይል። ንዕላማን ትጽቢትን ንጡፍ ተሳታፍነትን ኣባላቱን ብዘዕግብ ኣገባብ ዘካትትን ምዙንን ርጡብን መሪሕነት ዘለዎ ደምበታት ንቕድሚት ይሕንበብ። ሓድነት ኣባላቱን ተሳታፍነቶምን ብምዕዛዝ ንኣበርክቶ ኣባላቱ ብምምዝማዝን ብምብዛሕን ናብ ዕቤት የመርሕ። ነቲ ደምበ ዘቑሙ ኣባላት፡ እቲ ምትሕግጋዝ ዝያዳ ዘኽስብ ኮይኑ ስለዝረኽብዎ፡ ንገለገለ በይናዊ ጉዳያት ናብ ካልኣዊ ደረጃ ብምስራዕ ሕድገታት ይገብሩ ማለት እዩ። እዚ ናይ እንካን-ሃባን ንጡፍ ዳይናሚካዊ ርኽኽብን ተገባብሮን(interaction) መሰረታት ደሞክራሲ የማዕብል። በብመድረኹ ድማ ሲቪላዊ ሕ/ሰብ ዘደልድል ክብርታትን ኣካይዳ ስራሕን እናኻዕበተ ይቅጽል። እዚ ብመድረኻት ዝፍጸም ኮይኑ፡ ነዊሕ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ምክእኣልን ምትሕልላይን ዝሓትት መስርሕ እዩ።
ኣብዚ መስርሕ’ዚ፡ እቶም ንደሞክራስያዊ ባህሊ ዝገልጹ ጠባያት፡ ከም ምጽውዋር (tolerance)፡ ኣንጋድነትን ሓዋስነትን (accommodation and inclusiveness)፡ ሕድገታት ምግባር (compromising): ኣሳታፊ ( participatory)፡ ኣብ ፍረ-ነገር ዘተኮረ ዘተን ክትዕን ዘተባብዕ (deliberative)፡ ከምኡ እውን ምትሕብባር (cooperation) ይኹስኮሱ።
ብኣንጻሩ ኣብ በለጽን ምግድዳዕን ዝተሰረተ ደምበ ከይዱ-ከይዱ ተስፋ ኣባላቱ ብምትንካፍ ናይ ምግባርን ምብርካትን ተበግሶኦም ይድርት። እዚ ድማ ውሽጣዊ ውህደትን ኣበራታዒ መንፈስን ይጎድእ። እቲ ደምበ ኣንቀሳቓሲ ሓይሉ (dynamics) እንዳደኸመ ከይዱ፡ ሙቐቱን ብርሃኑን ነክዩ ህላዌኡ ተራ ነገር ይኸውን። ውዒሉ ሓዲሩ ነበረ ይኸውን። ስለ’ዚ፡ እቲ ደምበ ክቕጽልን ክዕንብብን እንተኾይኑ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ብግቡእ ዝግምግምን፡ እዋኑ ዝሓቶ ብደሆታት ብግቡእ ዝገጥምን ኣቦ ወይ መሪሕነት የድልዮ። ውልቃዊ ጥሙሓቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕዋት ዝግበር ርብርብ ዝርእዩን፡ ምስቲ ተራ ኣባል ብምዝማድ ዓመታት ንቕድሚት ዝርእዩ መራሕቲ የድልዩ። ውልቃዊ ጥሙሓት ምስቲ ሓባራዊ መኣዝንን ስሙር ስጕሚን ዝኸዱ እንተኾይኖም ጎዳእቲ ኣይኮኑን እዮም። እኳ ደኣ፡ ነቲ ሓባራዊ ጻዕሪ ድፍኢት ዝህቡ ውልቃዊ ጥሙሓት ክበራትዑ ይግበኦም። እንተኾነ ግን፡ ኣባላት ደምበ ሕድገት ከይገበሩ ካብቲ ምትእኽኻብ ክኸስቡ ጥራይ ዝሕወስዎ እንተኮይኖም፡ ከምቲ በበይኑ ዘጣቕዕ ኣእዳው ጨርባሕባሕ ይኸውን። ከምቲ ኣብ በበይኑ ቦታ ናይ ዝቑረጽ ገረብ ዝወድቕ ፋሳት ኮይኖም ኣድማዕቲ ኣይኮኑን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጓይላ ኣይጥዑምን፣ እቲ ገረብ ኣይውዱቕን ይኾኑ።ድኻምን ረሃጽን ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ምትሕምማይን ምውንጃልን ይስዕብ። እቲ ዙርያ ዕንክሊል እንደገና ይድገም። ስለ’ዚ እቲ ቀዳማይ ሕቶ፡ ብኣካልሲ ይእከቡ እዮም ግን መንፈሶም ከ ብሓደ’ዶ ኣሎ ዝብል ይኸውን።
ልብታቶም ይራኸቡ ድዮም?
ሓደ ፖለቲካዊ ደምበ ብናጻ ዝኾኑ ሰባትን ኣካላትን ስለዝቐውም፡ ምኽርን ፕሮግራማትን ናይዞም ናጻ ዝኾኑ ኣባላት ከእንግድ ናይ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ እቶም ኣባል-ውድባት ወይ ሰልፍታት ናይ ሓሳብን ግብርን ሓድነት ምስ ዝህልዎምን እቲ ደምበን ኣካይድኡን ብድርኺቶምን ተሳታፍነቶም ዝጸደቐ ምስ ዝኸውንን ኣብ ኣተጋባብርኡ ምሉእ ኣፍልጦን ጽልዋን ምስ ዝህልዎምን፡ እቲ ደምበ ደምበኦም ይኸውን። ናይ ዋንነትን ይብጸሓንን ስምዒት ይሓድሮም። እቲ ደምበ ካብ ረቒቕ ኣምር ናብ ሂወቶምን ዕድሎምን ዝውስን ጭቡጥ ክውንነት ወይ መካኒዝም (ኣገባብ ወይ ኣሰራርሓ) ይምዕብል። ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ በይናዊ/ወገናዊ ጠለባት ጸቒጦም ድማ ንናይ ሓባር ስራሕ ይጓየዩ። እዚ ዝኸውን ድማ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ናይ ሓባር ዓወት ነቲ ወገናዊ ጉዳያት ወይ ጠለባት ማለት ውድባዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ… ክምልስ ዘኽእል ዓቅምን ቅሩበነትን ከምዘለዎ ምስ ዝኣምኑን እቶም መብጸዓታትክፍጸሙ ከምዝኽእሉ ምስ ዝተኣማመኑን እዩ። እቶም ነቲ ደምበ ዘቑሙ ኣባላት ልቦም ምስ ዝራኸብ እዩ እዚ ክፍጸም ዝኽእል።
እንታይ’ዩ ከ ዘራኽቦም?
ኣብዚ፡ እቲ ቀንዲ ነጥቢ ነቶም ኣባላት ናይ ሓደ ደምበ ዘራኽብን ዝጥርንፍን ምኽንያት ወይ ሓባራዊ ባይታ ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያት ድፍኢት መኣከቢኦም ክፈላለ ይኽእል። ናይ ገሊኦም መደብ ዕዮ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኣፈጻጽማ ዝረኣየሉን ተመሊሱ ንብምልኡ እቲ ደምበ ዝጠቅምን ነይሩ ክኸውን ይኽእል። ገሊኦም ድማ ውልቃዊ ጉዳዮም ዝዓጦምን ካብቲ ደምበ ክረብሑ ዝተጠርነፉ ክኾኑ ይኽእሉ። ሓደ ሓደ መኣዝን-ኣልቦ ምስ ውሕጅ ዝጓዓዙ ኣይሰኣኑን። ፍርቆም ከኣ ወይ “ይግበር ኣሎ ከይንተርፍን” ኢሎም ኣብቲ ደምበ ሕውስ ዝብሉ እዮም ወይ ድማ “ሎሚ እያ ተረኽበት” ብዘስምዕ ዝድቕደቑዎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ መሰረታዊ ነገር ግን፡ እቲ ዝኽሰት ሓድሽ ብደሆታት ብውልቆም ክገጥምዎ ከምዘይክእሉ ስለዝድምድሙ፡ ወይ ድማ ንበይኖም ምግላል ከምዘየዋጽእ ምስ ዝርድኡ፡ ኣብቲ ዘራኽቦም ናይ ሓባር ባይታ ክሰማምዑ ይግደዱ። ነዛ ሜዳ ንበይኑ ክብሕታ ዘይደሊ ፍጡር የለን። ወዲ-ሰብ ክተሓጋገዝን ክጸጋጋዕን ክመሳሰልን ዝግድድዎ ውድዓውያን ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ብደሆታት ስለዘጋጥምዎ እዩ። ከተማታት፡ ሃገራት፡ ማሕበራት ዝኣመሰሉ ምጥርናፋት ብዘይምኽንያት ኣይፍጠሩን እዮም።እቲ ዘጋጥም ናይ ምህላውን ምቕጻልን ብደሆታት ዘፈጠርዎም ምትእኽኻባት እዮም። ፖለቲካውያን ኪዳናት እውን ብደሆታት እዮም ዝፈጥርዎም። በበይኖም ኣክንዲ ሕጊግ ዝብሎ “እዋእ፡ ንዓስ’ኪ ንዘራረብ። ብሓባር ዘይንመንዕ መታን ክነደምዕ” ምብህሃል ይስዕብ። እዚ ጠባይ’ዚ ከኣ እዩ ካብ እንስሳ ዝፈልየና። ክንዘራረብን ክንዛተን ንኽእል ኢና። ሽግርና ክንፈሊ ንኽእል ኢና። ካብ ተመክሮ ተማሂርና ነቲ ሽግር ዝበቅዕ ኣሰራርዓ ክንምህዝ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሕሉፍን መጻእን ክዛረብ ዝኽእል ወዲሰብ ጥራይ እዩ። እዚ ግን እቲ ሽግር ዝወለዶን ባህርያዊ ውጽኢት ናይቲ ወሪዱ ዘሎ ሽግር ዝኾነ መሪሕ ምስ ዝህሉ እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ሽግር ንፍትሕን ደሞክራስን ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ውላድ ናይ’ዚ ሽግር ዝኾነ መሪሕ ምስ ዝህሉ እቲ ኣጀማምራ ይጽብቕ። ካልእ ላቔባታት ዘይብሉ ነቲ ሽግር ዘማእክል ኣወዳድባ ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል።
እዞም ብደምበ ተቓውሞ ዝእከቡን ዝፍንጥሑን ፖለቲካውያን ውድባት ዘራኽቦም ሓባራዊ ጉዳያት ካብ ሃለዉ ስለምንታይ እዮም ናብ ውጽኢታውነት ገጾም ዘየምርሑ?
እቲ ሓጺ መልሱ፡ እቲ ኣጀማምራ ኣይጸበቐን። ሰብ ትግረ ክምስሉ ከለዉ “እሾከት ምን ንእሻ ትበልሕ” ይብሉ። “እሾኽስ ብበላሓ’ያ ትፍጠር”ከም ማለት እዩ። እቶም ገዳይም ኣባላት-ውድባት ናይ’ዚ ሎሚ ናብ ኩሉ ዝሽፍተሉ ዱር (jungle) ተቐዪሩ ዘሎ “ደምበ ተቓውሞ” ብሰለስተ መኣዝናትን ዳርጋ ብኣፈርክቡን ብ1999 ዝተኣካኸቡ እዮም። ቀዳማይ ወገን እቲ ድሕሪ ምኽታም ውግእ-ሓድሕድ ንሽምን ዝናን ተሓኤ ጠቕሊሉ ንህግሓኤ ብድሕሪት ዝጎጢ ዝነበረ ሓይልን ካልኦት ሓድጊ-ተሓኤ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ። እቲ ካልኣይ እውን ብእስላማዊ ጀሃድነት ኣብ ተመሳሳሊ ስረሓት ተዋፊሩ ዝነበረ እዩ። ክልቲኦም እዞም ወገናት ቅድምን ደሕረ-ናጽነትን ጎነጻዊ ግጥምያታት ከካይዱ ዝጸንሑ እዮም። እቲ ሳልሳይ ወገን ምስ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ኣብ ሕቶ ብሄርን ኣውራጃን ዝምርኮስ ፖለቲካ ዘልዓለ ብዓይነቱ ሓድሽ ዝኾነ ተርእዮ ኮይኑ ኣብቲ ምትእኽኻብ ሕውስ በለ።
ኣብቲ ብ1999 ኣብ ካርቱም ዝተጋብአ ፈላሚ ርክቡ ብመሪሕነት ዓብደላ እድሪስ “ንመንግስቲ ኢሰያስ” ክዓሉ ምዃኑ ኣወጀ። እዚ እግሪ-እግሪ እቲ ወያነ ንባድመ ምቁጽጻሩን፡ ኤርትራ ንእማመ ሰላም ተቐቢላቶ ክተብቕዕ፡ መራሕቲ ወያነ “ንኤርትራውያን ዘይርሳዕ ትምህርቲ ክንህቦም ኢና” ኢሎም ዝደናደሉሉን ንሳልሳይ ወራር ዝዳለዉሉን ዝነበሩ ግዜ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝቕጽል፡ ግን እቲ ቁምነገር፡ እቲ ኣጀማምራ ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ዘይነበሮን ምዃኑ እዩ። ኣብ ድጉል ቅርሕንትታት ናይ ውግእ ሓድሕድ ዝተሰረተን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝያዳ ነዳድን ትንፋስን ዝሃቦ ብ”ተረኽበት” ዝተኣኻኸበ ኪዳን እዩ ነይሩ። እዚ እቲ ፋልማይ ኪዳን እዩ። ድሕርኡ ክንደይ ምትእኽኻባትን ምፍንጣሕን ክትቆጽር ትኽእል?
እሞ እንታይ?
እዚ ዘጠቕሰ ኣብነት ድማ “ኣበጋግሳ ናይ ሓደ ደምበ እንታይ እዩ” ናብ ዝብል ይወስደና። ኣባላቱ ናይ ብሓቂ ውልቃዊ ሕድገታት ገይሮም ነቲ ናይ ሓባር ብደሆ ንምግጣም ድዩ ወይስ ነቲ ምትእኽኻብ ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ንናቶም ጸቢብ ረብሓታት ንምስልሳልን ምጉልባትን በለጻዊ ድፍኢት እዩ ዝድርኾም ዘሎ? ብልቢ ይራኸቡ ድዮም ወይስ ብናይ “ይምሰል” ፍሽኽታን ብናይ ሓሶት ኢድ-ጭባጥን ዝጓዓዙ እዮም? ምትእኽኻቦም ነቲ ዝሰብክዎ ፍትሕን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ድዩ ወይስ ካልእ ነገር ነይርዎም? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ኣለዎም ድዮም? ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ እንተለዎም ደኣ ስለምንታይ ብመጀምርያ ኣብ ምእላይ ሽግራቶም ዘይጥቀሙሉ? ደሞክራሲ’ኮ ብሓባር ንምንባርን ምስራሕን ዝተማህዘ ኣምር እዩ። ጥንታዊት ግሪኽ ነዚ ኣምር እዚ ዘማዕበለት፡ ብከታምነት ክትመሓደር ምስ ጀመረት እዩ። ብደሆታት ናይ ብሓባር ምንባር ዘምጸኦ እዩ።
ብሓባር ምንባር ከም ምርድዳእ፡ ምትሕግጋዝ፡ ምጽውዋር፡ ምክታዕ፡ ርኢቶ ካልኦት ምስማዕ ከምኡ እውን ንናይ ሓባር ዕምማት ዘካይድ ሓባራዊ መንግስቲ ወይ መሪሕነት ምቋም…ወዘተ ይጠልብ። ደሞክራሲ ነቶም ንምፍንጣሕን ምብዛሕን ኣሃዱታት ምኽንያት ዝኾኑ ግርጭታት ብሰላም ንምዕራፍ ዝተማህዘ እዩ። ሕሉፍ ኣካይዳ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓቅን ቅንዕናን (ብዘይ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ”) እንተደኣ መርሚርናዮ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጠባያት ናይ ሓደ ደምበ ኣለዎ ድዩ? ነዚ ዝተገልጸ ዓይነት ኣመለኻኽታ ዝሃንጽን ዝኹስኩስን ደምበ ኣሎ ድዩ?
ኤርትራ ልቦና ዝውንኑ ዓበይቲ ዓዲ ስኢና ኣላ። እቶም ዝርካቦም ላባማት ወይ ቦታን ባይታን ስኢኖም ተጸጊዖም ኣለዉ ወይ ድማ ተቐፊዶም’ምበር ኤርትራ’ዶ ነዚ ኩነታት ሃውጺ መሪሖም ዘሳግርዋ ምሰኣነት? ኣብ ሓሸውየ ናይ ውልቀሰባትን ውልቃዊ ጉዳያትን ጠባያትን ኣክንዲ ዝሽመም ኣብቲ ቀንድን ኣገዳስን ዓምድታት ናይቲ መደብ ዕዮ ዘተኩርን ናይ ሓባር ራብሓን ዕድልን (mutual benefits) ዘቋምት ደምበ ምህናጽ ቀሊል ኣይኮነን። ራእን ብቕዓትን ልቦናን ዘለዎ ተባዕ መሪሕነት የድልዮ። ተቓውሞ ኤርትራ እዚ ረቛሒ’ዚ ክረክብ ኣይተዓደለን። ናይ ሓሳብን ግብርን ሓድነት ዘለዎ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ናይ ምቛ ተኽእሎ ካብ ዝህሉ ግን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ክሳብ ሕጂ ከምዝተራእየ፡ እቲ ኣጀማምራ ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ኣይነበሮን። ንዘላቕን ሰጓምን ኩለንትናውን ለውጢ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣትኩሮ ኣብ መንግስቲ ምልዋጥን ስልጣን ምጭባጥን እዩ ጸኒሑ።
ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ስለዘይነበሮ ድማ ደሞክራስያዊ ባህሊ ክኹስኩስ ኣይከኣለን። ደሞክራስያዊ ባህሊ ስለዘይኮስኮሰ ከኣ ንምቛም ደምበ ዝኸውን ቅድመ-ኩነት ማለት ከም ተላዚብካ ናብ ሓባራዊ ጉዳያት ምስማር፡ ንውሽጣዊ ግርጭታት ብሰላምን ብዘተን ኣሊኻ ጽሬትን ጥንካረን ደምበ ምሕላው፡ ኣሳታፊ ምዃን፡ ምውርራስን ስልጣንን ተምክሮን…ወዘተ ኣይተራእየን። ካበይ ከምጽእ? ክሳብ ሕጂ፡ “ደምበ ተቓውሞ” ናይ ሃታሃታን “ተረኽበትን” ኩነታት ዘራኽቦምን ንጽባሒቱ ዝፍንጥሑን መራሕቲ ሒዞሞ ረጠጥ ኢሎም። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ስለ ኤርትራ ንዝሓስብ ሰብ ክልተ ኣማራጺ ኣለዎ። ወይ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ክመጽእ ክንቀሳቐስ ኣለዎ። ወይ ድማ ነቲ ዘሎ ኣወዳድባ ንምቕያር ብዘይንሕስያ ነቐፌታዊ እርማት ክህብ ክጽዕር ኣለዎ። “ደምበ ተቓውሞ” ውሽጡ ከይቐየረ ኤርትራ ክቕይር ዘበት እዩ። ቅድሚ መንግስቲ ምቕያር ርእሱ ክቕይር ከድልዮ እዩ።
ኣብዚ: ምንቃፍን ምውራድን ህግድፍ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማን ዓወትን ተወሲዱሉ ዘሎ ኩነታት፡ እስኪ ብንጽህና ውሽጥና ንመርምር። ህግድፍ ጉጉይ ብምዃኑ ጥራይ፡ ኩሎም እቶም ንህግድፍ ዝዝልፉን ዝቃወሙን ሓይልታትን ውልቀሰባትን ቅኑዓት ኣይገብሮምን እዩ። ቕኑዕ ክትበሃልን ክትሰዓብን፡ ራኢኻን ፕሮግራማትካን ተግባራትካን ነቲ ህግድፍ ዝገብሮ ጉጉይ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ተግባራትን ፖሊሲታትን ዝጻረር ክኸውን ይግበኦ። መልክዕካን ቑመናኻን ተግባርካን ብኣንጻር ናይቲ ትነቕፎ ነገር ምስ ዝኸውን ከም ኣማራጺ ክትውሰድ ትኽእል። ህግድፍ ዝንቀፈሉ ትደግም እንተኾይንካ ግን ኣማራጺ ክትከውንስ ይትረፍ ሰማዒ እንተረኸብካ። ህግድፍ ኣንጻር ፍትሕን ደሞክራስን እንተኾይኑ፡ ንሕና ፍትሓውያንን ደሞክራስያውያንን ከምዝኾንና ብተግባር ክነርኢ ኣሎና። ህግድፍ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዝጎደሎ ኢልና ንኸሶ እንተኾይንና፡ ንሕና ምጽውዋርን ምክእኣልን ክነዘውትር ኣሎና። ህግድፍ ኣብ ዘተ ዘይኣምን እዩ ኢልና ንሰብኽ እንተኾይንና፡ ንሕና ፍረን ዓወትን ዘለዎ ዘተን ምርድዳእን ክነካይድ ከም እንኽእልን ፍልልያትና ኣክንዲ ብምፍንጣሕን ምርባሕ ውድባትን ንገልጾ ብዘተ ከም እነቀራርቦ ክነርኢ ኣሎና። ብሓጺሩ፡ “ደምበ ተቓውሞ” ዝሓሸ መተካእታ ምዃኑ ምስ ዘርኢ ጥራይ እዩ ሰዓብነት ከጥሪ ዝኽእል።
ደምበ ኣሎና ክንብል፡ ኣእዳውን ሓንጎልን ብዙሓት ዝተሓወሶን ውጽኢቱ ድማ ካብ ድምር ኣበርክቶ ነብ-ሰወከፍ ታሳታፊ ዝዓዝዝን ዝብርኽን ውህደት ስራሕ ዘርኢ ጠርናፊ ኣካል ምስ ዝህሉ እዩ። እቲ እንመባጽዖ ጉዳያት ኣብ ሂወትና ክነንጸባርቖ ኣሎና። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ዓርከይ “ እዘን ውድባት እዚአን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቐሳ እንተዝኾና፡ ሃገር ብውግእ-ሓድሕድ ምተሃወኸት ነይራ። ኣብ ሳይበር ወይ ኢንተርነትን መራኸቢ ብዙሓንን ክንዲ’ዚ ምውንጃልን ምጥቕቓዕን ዝገበራስ፡ ሰራዊ ዝእዝዛን ማእከላዊ መንግስቲ ኣብ ዘይብላ ሃገርን እንታይ ምረአና” ኢሉ ኣስተንቲኑ። መልሲ ከየዳለኹ፡ ንሕቶኡ ብተሎ መለሶ፣ “ በቃ ዕግርግር። ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ጥራይ” ክብል ናብታ ዘንብባ ዝነበረ ዓምዲ ተመሊሱ። እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ጽሑፍ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን እተን ብስም “ሽዱሽተ ውድባት” ዝፍለጣ ኣባላት ኪዳንን ዝነበረ ምልልስ እዩ ነይሩ። ሓቁ እዩ ዝመስል።
ይቕጽል