Categories
Uncategorized

ብቐደሙ፡ ብጻይ ዕጉስ ኢልዎ ‘ኳ እዩ!!

ብቐደሙ፡ ብጻይ ዕጉስ ኢልዎ ‘ኳ እዩ!!

ብማሕሙድ ሳልሕ

ብቀዳምነት ከነጽሮ ዝደሊ፡ ህግድፍ ኢለ ኣብ ዝጽሕፈሉ፡ ነቶም ንሓርነት ኤርትራ ዝበለዩን ሎሚ ብዘይድሌቶም ከም መባዝሒ ኣብ ደፋትር ህግድፍ ዘለዉ ኣይምልከትን እዩ። ንዓዶም ካብ ዝግበኣ ንላዕሊ ኣበርኪቶም እዮም። ብተቃወምቲ ‘ውን ክዝለፉ የብሎምን። ነብሶምን ሓዳሮምን ዝመነዩ ብናይ ሎሚ ቛንቛ ክግለጹ ዘይከኣሉ ‘ዮም። ናታቶም ግዜን ወለዶን ክድገምን ክደጋገምን ዕድል ነይሩ ‘ዩ። እንታይ ‘ሞ ይገበር፡ ግዝኣት ህግድፍ ኮይኑ። ዝበዝሑ ካብዚኦም ቅሱናት ከምዘይኮኑ ባዕሎም መራሕቲ ህግድፍ ይፈልጥዎ እዩ። ህግድፍ፡ ንኩሎም ‘ቶም ምግዳሎም ኤርትራ ንምምጻእን ምድሓንን ምብልጻግን ‘ምበር ስልጣንን ጸጋታትን ናይታ ዝተጋደሉላን ዝሕልዉዋ ዘለዉን ሃገር ክብሕቱ ሓሲቦም ዘይፈልጡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ናጽነትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝብን ኣይውክልን ‘ዩ። እዚ ኣካል’ዚ ዝያዳ ኩሉ ካልእ ብህግድፍ ትንፋሱ ወጺኡ ‘ዩ። ካብ ዕለት ናጽነት ጀሚሩ፡ ፖሊቲካዊ ሓሳቡን ድሌቱን ካብ መደባት እቶም ፈልሲ ህግድፍ ክተኽሉ ዝጓየዩ ዝነበሩ ዓንተራት ናይቲ ግዜ’ቲ ኣዝዩ ዝተፈልየ ‘ዩ ኔሩ። ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ናብ ዋዕዋዕታ’ውን የበጽሕ ኔሩ‘ዩ ።

ገለ ካብቲ እዚ ክፋል’ዚ( እቲ ዝበሐ ምዃኑ ‘ዩ) ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶታት፥

  • ንጉዳይ ረፈረንደምን ምእዋጅ ናጽነትን ዝሕግግን ዝቆጻጸርን ህዝባዊ ባይቶ ክምስረት
  • ኣብ ምእዋጅ ናጽነት፡ እቶም ካብ ሜዳ ዝመጹ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ቀጥታ ኣባላት ባይቶ ከይኮኑ፤ ግዴትኦም ኣብቂዑ ስለዝነበረ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ ክቀውምን ኩሎም ንምምስራትን ምስግጋርን መንግስቲ ኤርትራ ዝምልከቱ ሕጋጋት፡ እንኮላይ ናይቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ ምንዳፍን ምጽዳቅን ቅዋም እዚ ባይቶ’ዚ ክውስኖን ክቆጻጸሮን ብተጋደልትን ህዝብን ጽቅጢ ይግበር ኔሩ። ጉዳይ ባንዴራ ካልእን ዝምልከት ብርቱዕ ተቃውሞ ከምዝነበረ ‘ውን ይዝከር፡ ምድጋም ስለዝኾነ ክሓልፎ’የ ‘ሞ ምኽንያት መጽሓፊ ‘ዛ ጭራም እትኸውን ዕላል ስለዘላትኒ ተጸመሙኒ።
  • ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝነበረ ህዝብና እውን ካብቲ ቅዪድዎ ዝነበረ ፍርሒ ወጺኡ ዝተፈላለየ ሓሳባት፡ ምኽርታትን መረረታትን ክለዋወጥ ጀሚሩ ኔሩ። ዝበዝሕ ርኢቶታት፡ ወላ ብቀጥታ ኣይኹን ‘ምበር፡ እቲ ውልዶ ዝነበረ መንግስቲ ህዝቢ ክሕወሶ ‘ሞ ኣጀማምርኡ ከጽብቅ ዝጽውዕ ‘ዩ ኔሩ። ናይቲ ግዜ’ቲ፡ “ህዝብን ተጋዳላይን ማይን ዘይትን ኮይኖም” እትብል ርኢቶ ሓደ ኤርትራዊ ኣይርስዓን እየ። እይጸንሐን እቶም ብታሕቲ-ታሕትን ኣብ ጸላምን ነዚ ድሌታት’ዚ ከበርዕኑ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሽባሕ( ghosts) ‘ዚ መደብ ‘ዚ ካብ ራድዮን ጋዜጣን ከም ዝስረዝ ገበሩ- ቀዳማይ ወግዓዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓሳብክ ምግላጽ። እዚ ቅድሚ ዕስራን ክልተን ዓመታት ምዃኑ‘ዩ። እዚ እዛረበሉ ዘለኹ ክፋል ህዝብን ተጋዳላይን፡ ተቃውምኡ ንጸረ-ዴሞክራስያዊ ኣከያይዳ ንምምስራት ህግድፍ ዝቅድም ‘ኳ’ንተኾነ ብግዲ ወረቐት ህግድፍ ተሰኪሙ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነቶም ኣብ ገድሊ ዘይነበርኩም ’ሞ ገድሊ ምስቲ ምስ ህግድፍ ዘለኩም ግድል እተዛምድዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ንእሽቶ ዕላል ወስ ከብለልኩም። እንታይ ትድምድሙ ናትኩም ጉዳይ’ዩ።

ኣብ ሰማንያታት፡ እኸትት ‘ሞ ኣብ ሓድሽ ኣሃዱ ንሓደ ብዕድመ ካባይ ዝሰጎመ ብጻይ እላሌ። ንሕጂ ‘ዕጉስ’ ክብሎ እየ። ንትምህርቲ ኢሉ ብዙሓት ዓድታት ከምዝበጽሐ የዕልለኒ ኔሩ ። ኣዝዩ ትሑትን ምቅሉልን ‘ዩ። ኣብ ክፍልታት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሓላፊ ምንባሩ እፈልጥ ኔረ። ብክልንትንኡ ካብቶም ንኣሽቱ ሓሚቑ ኣይፈልጥን እዩ። ሓንቲ ተጸግሞ ዝነበረት ምግብና’ያ ኔራ ።ባኣኣ ‘ውን ሓገዝ ብጾቱ ኣይተነፍጎን። ዳርጋ ንማለቱ ‘ዩ ዝስራዕ ነይሩ’ምበር፡ ንሱ መጋባይ ኣብ ዝኾነላ ሰሙን፡ ትጽቢትና ካብቶም ምስኡ ዝምደቡ  ዝነበሩ ብጾት ‘ዩ ኔሩ። ሓደ መዓልቲ፡ “እዚ ኩሉ ዓለም ኮሊልካስ እንታይ እዩ ናብ ሳሕል ዘዕለበካ፧” ሓተትክዎ።መን ከም ዘዳለዎ ኣይፈለጥኩን፡ ኣብኣ ከላ፡ ” ቸጎ ቨራ ‘ኮ ደክቶር’ዩ ኔሩ” ይብለኒ። እንታይ ማለቱ ምንባሩ ተረዲኡኒ። ሓቂ ይሓይሽ ቅሩብ ሲ ጌሩለይ ‘ዩ።

ሓደ ግዜ መሻርፍ ደንጉዩስ ንሓንቲ ሳፋ ኣብ እምኒ የንቅጻ፡ ይሰፋ፤ ድሕሪ ቅሩብ ይሰፋ እንደገና የንቅጻ ውዒሉ መሽኪነይቲ ሳፋ እውን ኒኮቲና እንዳተጀለሐ ከይዱ ይመስለኒ ዕጉስ ከም ቅሩብ ጠባዩ ከቅጥን ይጅምር። ምንቡሃቕ፡ ድቓስን ምግላልን የብዝሕ። ድሕሪ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ መራሕ ሓይሉ ቀሪቡ ናብታ ኣብ ጸጋምና ዝነበረት ኣሃዱ ክኸይድ ‘ሞ ገለ ትምባኾ እንተረኸበ ከፍቅደሉ ይሓቶ። እቲ መራሕ ሓይሊ ዝገብሮ ኣይነበሮን። እቲ ኩነታት ምግምጣል ዝበዝሖ ‘ዩ ኔሩ። እታ ኣሃዱ ኣብ ተዳሎ ከምዝነበረትን መዓስን ናበይን ከም ትብገስ ፍሉጥ ከምዘይነበረ ይነግሮ። ኣብ መንጎኡ ሰለስት ኣርባዕተ ሞርታራት ኣብቲ ከባቢ ስለዝወደቑ ፋሕፋሕ ይብሉ ‘ሞ ኣብታ ዝነበርክዋ ቦታ ይመጽእ። “ ንዓ’ስከ ኣዳልየኒ” ይብለኒ። እንታይ ከዳልዮ ምስ ሓተትኩዎ ትርፍራፍ ናይታ ንሰለስት መዓልታት ይመላለሳ ዝነበረ ሳፋ ምዃኑ ፈሊጠ። ደሊና ምስ ሓመድ ተፋሪቓ ጸኒሓትና። ሰም ኣየበለላን።

ሓደ ረፍዲ፡ ቁርሲ ኣይነበረን። ምሳሕ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኔሩ። እንዳ ምግብናታት ተደብዲቡ፡ ክልተ ካብቶም መዓልታዊ መግቢ ንድፋዕ ዘደይቡ ዝነበሩ ኣእዱግ መይቶም። መጽዓኛ ምትካእ ኣይመጸገመን። ግን ‘ቶም እንስሳታት ምስ ግዜ ነቲ ኩነታት ይርዕምዎ ‘ሞ ክትሕዞም ቀሊል ይኸውን። ዝኸድዎ ቦታን ግዜን ይለምዱን ነቲ ጸቅጢ ናይቲ ኩናት ይጻወርዎን እዮም። ከም ኣባላት ናይታ ኣሃዱ ስለዝቁጸሩ እውን ክንክን ይግበረሎም እዩ። ነብሲወከፎም ነቲ ፍሉይ ጠባዮም ዝገጥም ኣስማትን ሳጓታትን ኣለዎም-ገሊኡ መስሓቕ ‘ዩ። ክሞቱ ከለዉ’ውን ይሕዘነሎም’ዩ። ክቅበሩ ግን ርእየ ኣይፈልጥን። ስለ’ዚ‘ዩ ከኣ እታ ኣሃዱ  ሽዑ መዓልቲ ካብ ጥሜት ዝያዳ ሞት እቶም መጽዓኛታት ኣሕዚንዋ ዝነበረ።

ዕጉስ ከም ግልል ኢሉ ገለ ይሓናጥጥ ነበረ። እታ ዝተቀጠነትን ዝተፋረቐትን ሳፍኡ ጌና ኣብ ሸንፈቱ ኔራ። ግን ምራቕ ኣቕጢንዋ ‘ዩ። ጎብለል’ታ ኣሃዱ ኮይና እትፍለጥ፡ ልባ ካብ ሰውነታ ዝዓቢ ብጸይትና ሕውስ ትብለና ‘ሞ ነቲ ኣፍሮ ጾጕሪ ዕጉስ ከም ግልህ ኣቢላ ” ረአ ‘ዚ፡ንዓ ‘ሞ ረኣዮ ‘ዚ” ትብለኒ። ሰለስት ገዘፍቲ ቁማል ከይዓጠጠን ሰልፊ ሒዘን፡ ንእዝኑ ሓሊፈንስ ኣብ ልዕሊ ምልትሑ ብጺሐን። ጭብ ‘ሞ ግደፎ። እታ ብጸይቲ ቆልዓ እያ ነይራ ግን ኣይከምዕድመኣን። ዕጉስ ብእዝኑ ወጢጣ ጾግሩ ክተጸሪ ጀሚራ። ብዙሕ ኣይወሰደላን- ምኩርቲ እያ ትመስል።

ከባቢ ሳዓት ሰለስት ድሕሪ ፋዱስ ኮይኑ ጌና ወረ ምሳሕ ኣይነበረን። ካብ ክፍልታት ንዝኸትት ሰብ እተን ቀዳሞት ሳምንታት ፈተንቲ ‘የን። ኣብ ክፍልታት ይብዛሕ ይውሓድ፡ ምሳሕ ኣይሰኣንን’ዩ። ቁርሲ ክሉ ግዜ ኣብ ምልክት ሕቶ ‘ዩ ግን ይርከብ ‘ዩ። ነገር ድፋዕ ግን ንበይኑ ምዃኑ ኣብ ምልማድ ኢና ኔርና።

“ ኣብዚ’ኮ መዋእሎም ብከምዚ ‘ዮም ዝሓልፉ! 365 መዓልታት ኣብ ዓመት፡ ዝረብሖ ብ ንውሓት ፍርድኻ” ኢሉ ዕጉስ፡ እና ሓናጠጠ። ፒሮን ወረቀትን ኣይፍለዮን እዩ። ሓላፍነት ከኣ ነይርዎ ‘ባ። ምሸት-ምሸት ራድዮታት ዓለም ሰሚዑ ንግሆ ኣብቲ መውዓሊ ይጥቀዖ።

“ እንታይ ፍርዲ” ሓተትክዎ።

” ካብ ዝተሰለፍከላ ዕለት ክሳብ ዓወት ወይ ሞት። ገሊኡ ‘ኮ ዓስርተታት ዓመታት ድፋዕ ጌሩ’ሎ” በለኒ።  ዕላል ዓሚሩ ናብ ካልእና ሃለው በልና።

“ ናጽነት እንተርከብካ እንታይ ክትገብር ትደሊ፧” በለኒ።

“ ናጽነት!” ኢለ ቅሩብ ገሪሙኒ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብቲ ግዜ‘ቲ ናጽነት ርሕቕቲ ነይራ። ከም ትመጽእ ግን ምጥርጣር ኣይነበረን። ፍረ ናጽነት ብከመይ ክንሕዞን ክንካፈሎን ክነስተማቅሮን  ዛዕባ ወለዶና ኣይነበረን። ክርእያ እየ ዝብል ደፋር ‘ውን ውሑድ ‘ዩ ነይሩ። እንሓንሳብ ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ወይ ዘጋጠማ ‘ሞ ናብ ክፍልታት ዝተመደቡ፤ “ ናጽነት ክትርእዩ ‘ኹም” ይበሃሉ ኔሮም። ንሱ’ውን ብዳእላ ‘ዩ ኔሩ።

“ ኣነስ፡ ኣይፈለጥኩን፡ ኣይሓሰብኩሉን፤ ንስኻ ከ፧” መለስኩሉ።

“ ኣነስ‘ባ ኣብ ገዛይ ኩንታላት ትምባኾ እኽዝን። ምውጻእ ምግብና ከኣ ይተርፈኒ። ዋእ! ካብኡ ንላዕሊስ ዝደልዮ የብለይን ” ኢሉ።ኣስዒቡ ከኣ “ ጥሮታና ከኣ ትህቡና ትኾኑ” ወሰኸ።

“ ሚኒስተር ከኣ’ባ” በልክዎ ቅሩብ ክጥውቖ ደልየ።

“ ናቱስ ሕማም የብለይን። ፖሊቲካ ዝብልዋ ክርእያ ኣይደልን። ብፍጥረተይ ወደኽደኽ ኣይፈቱን። ፖሊቲከኛ ከኣ ሓሳዊ’ዩ።ሓሶትን ምትላልን እትመልኽ ክትከውን ኣሎካ። ብረሃጽ ካልኦት ክትነብር ምዃንካ ምስ ሕልናኻ ክትትዓረቕ ኣሎካ” በለኒ።

“እዚ ደኣ ናይ ምዕራብ ኣተሓሳስ ‘ንድዩ፧”  ምስቲ ናይቲ ግዜ ስነ-ሓሳብና ስለዝተገራጨወኒ።

“ ንምዃኑ፡ ኣብ ማሕበርነት እዚ ትብሎ ዘለኻ ዓይነት ፖለቲካ ኣሎ ድዩ፧” ደገምክዎ፡ ጽቡቅ ከም ዝተረደኣኒ ክፈልጥ።

“ ዓሻ ኣይትኹን፡ ብዙሓት መራሕቲ ሰውራታት ኣክሮባት ገይሮም’ዮም። ኣብ ምግምጣል ንፉዓት ‘ዮም። ኣብቲ ቃልሲ ስምን እምነትን ስለዝረኽቡ ስልጣን ምስ ደየቡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮም ህቡብነትን ተከታልነትን ድራግ( ሓሽሽ) ‘ዩ ዝኾኖም። ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ደየቡ ነቲ መደያይቦ የዕንውዎ ’ዮም።” መለሰ ነቲ ብሰሜን ዝተኣካከባ ዝነበራ ደሴታት ደበናታት እናቋመተ።

“ እንታይ መደያይቦ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ፧”

“ ኣነ፡ ንስኻ፡ ኩሉ ‘ዚ ተጋዳላይን ሓፋሽን። መን ድዩ ተሰዊኡ ኣብ ስልጣን ዘብጸሖም፧ ስልጣን ምስ ሓዙ መሬት ዝርግርግ የብልዋ ‘ሞ ወዮም የወሃት ብዘይከኦም መን ኣሎና ከም ዝብሉ ይገብርዎም። ኣሎካ’ንዶ፡ መሬት ምስ ጸሃየት ዓዋሉን በጋሚንዶታት የብዝሑ። በቃ ከምዛ ወኻርያ፡ ካብ ጎዳጉድን መንቀራቕሮታትን በሎኽ….በሎኽ ይብሉ። ብዘይካ ሓለቕኦም ንካልኦት ተሓተትቲ ኣይኮኑን። ወላ’ቲ ስማዊ ሕግታት ናይቲ ዓዲ ኣይንትንኦምን እዩ። ሰብ ምቕጥቃጥ ይጅምሩ። ዓያሹ’ንድዮም ከኣ ኣቀጣቕጥኦም ጠገለ የብሉን። እዚኦም’ዮም እቶም መጋዝን ቆረጽትን ናይቲ መደያይቦ። ስርሖም ህዝቢ ከም ዝርዕድን ፈትዩ ጸሊኡ ተገዛኢ ከምዝኸውን ምግባር እዩ- ነቲ መደያይቦ ምስባር። ሰብ ኣመቱ ኩሉ ንናጽነት ጌርዋ ከሎ ‘ዚኦም ኣብ ጸላምን ብታሕቲ-ታሕትን ነቲ ዝመጽእ ስልጣን ኢንቨስት ይገብሩ። ነቲ ስርዓት(ሲስተም) ናብኡ ከም ዝቐንዕን ንዕኡ ከም ዝመቻቻእን ክገብሩ ይጸንሑ መታን ወፍሮም ክሰስን። ነጋዶ ‘ዮም። ኣነን ንስኻን ኣይንፈልጦምን ኢና። በቃ ከምዛ ደቂ ሕድርትና ‘ዮም። ኤእ……….ነዞም ናትና ማለተይ ግን ኣይኮንኩን” ይብለኒ ‘ሞ መራሕ መስርዑ ገለ ነገር ሒዙ ክመጽእ ይርኢ። “በል መጺኣ” ኢሉ ከየላበወኒ ይምርቀፍ።

እዚ ምቅሉል ተጋዳላይ’ዚ ናጽነት ኣርኪብዋ ‘ዩ።ኣበሃህልኡ ክሳብ ሎሚ ይገርመኒ ‘ዩ። ለካስ ገሊኡስ ስክፍታ ነይርዎ ‘ዩ። ድሕሪ-ጽባሕ ናጽነት መዓልቲ እንታይ ክንገብር ኢና ንዝብል ሕቶ መድረኽ ረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውን ሕሳብና ምገበርና። ሳዓቶም ምስ ኣኸለት ንዝወርዱ ሳባት መደየብና።  ዕጉስ፡ ድሕሪ ምምስራት ህግድፍ፡ ኣባልነት ከምዘይደሊ ‘ኳ እንተገለጸ፡ ከም ኩሉ ሰብ ወረቐቱ ተዋሂቡ። ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ኣዝዩ ምሁርን በዓል ሞያን ‘ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዝተመነኹሉ ሚኒስተርነትስ ኣይረኸቦን።ዘቀየሞ ግን ኣይመስለንን። ካብቲ ዝፈትዎ ሞያ ንነዊሕ ከም ዝደስከለን፡ ኣካል ናይቶም ብ‘ ሸፋሕ’ ዝፍለጡ ቁጽሪ-ኣልቦ ንጹሃት ጀጋኑ ተጋደልቲ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ከም ዝገበረ ሰሚዐ። ትምባኾን ሽጋራን ገዲፍወን ’ዩ። እንተ ኣባልነት ህግድፍ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይገደፈቶን።

ማሕሙድ ሳልሕ (www.facebook.com/mahmud.hamed.148)

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s