ሃብቶም ጸጋይን ማሕሙድ ሳልሕን
“ሃለው ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ተ/ ሃብቶም ጸጋይ ኣብተን ምስ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ-ፍላንሳ) ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ዘይሕከኽ ኣሰር ዝገደፈሉ ጦብላሕታታት ከዘንቱ ፈቲኑ። ዕላማና ውሱን ነይሩ። ዝኽሪ ጥራይ። ታሪኽ ሂወቱ ክንጽሕፍ ወይ ክንምርምርን ክንመራመርን ኣይኮናን ዝተበገስና። ምኽንያት ይኹን ሞይኡ የብልናን። ስለምንታይ ሎሚ? እቲ ፍጻሜ ድሮ ሰላሳ ዓመት ብምግባሩን ሕልፍሕልፍ ኢሉ ሰባት ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ግጉይ ጸብጻባትን ሓበሬታን ክህቡ ክሰምዕን ከንብብን ከምዝጸንሐን ከምኡ’ውን ዝፈልጥዎ ብጾቱ እቲ ዝፈልጦ መታን ክጽሕፍ በብግዚኡ ክሓትዎን ከተባብዕዎን ከምዝጸንሑ ንሱ እውን ይሓስበሉ ከምዝጸንሐን ሃብቶም ይገልጽ። ብፍሉይ ሕጂ ምጽሓፉ ምኽንያት ግን ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ጸሓፍን ተራኽን (ማሕሙድን ሃብቶምን) ሓደ መዓልቲ ብተለፎን ብዛዕባ ማርያ ጸላምን ግንባር ሓልሓልን ክ/ሰራዊት 96 ዘጣመረ ዕላል ወዲኦም ናብ ሰላሕታ ወራር ይሰግሩ ‘ሞ እቲ ነገር ናብዛ “ ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ይምዕብል። ካልእ መበገሲ ኣይነበሮን።
ካልእ ከም ደራኺ ነገር ክቁጸር ዝኽእል ዕድመ እዩ። እንዳዓበኻ ክትከይድ ከለኻ፡ ልቢ ምዕባይ ኣሎ። ንድሕሪት ብምጥማት ዝሓለፍካዮ ጉዕዞ ብዝሓሸን ዝነጸረን መጕልሕ ክትርእዮ ዕድል ትረክብ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ “ ዕድመ ጸጋ’ዩ” ዝበሃል። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ዝተሳተፍናን ዝዓበናን ሰባት እናተመላለሰት ሕልናና እትጎዳድእ ሓንቲ ጉዳይ ኣላ- መቸም ንዝኾነ ብኲናት ዝሓለፈ ወተሃደር እተሳቒ እያ። “ስለምንታይ ብጾተይ ተሰዊኦም ኣነ ተሪፈ?” እትብል እያ። ምስ ነኣሽቱ ደቅኻ ክትጻወት ኮለኻ፡ ብዙሓት ክንዲ ደቅኻ ዝኾኑ ንኡሳን ከምዝተሰውኡ ትዝክር’ሞ ቀጭቀጭ ይብለካ። ንናብራን ሞያን ክትዋፈር ከለኻ፡ ብዙሓት ነቲ ንዓመታት ዝደኸሙሉ ሞያ ደርብዮም ሜዳ ኣትዮም ዝተሰውኡ ይረኣዩኻ። “ስለምንታይ ተሪፈ?” ትሓታ ንነብስኻ። ናይ ሱቕታን ውስጠ-ቃልስን ግዜ ምስ ሓለፈ ናብ ክውንነት ትምለስ እሞ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ክትገብር ትፍትን። እታ ዝወሓደት ክንገብራ ንኽእል ከኣ ነቶም ብጾት ከም ተራ ተዋጋእቲ (warriors) ጥራይ ዘይኮኑ፡ብምሉእነቶም ከም ደቂሰባት ምዝካሮም እዩ። ተዋጋእቲ ሮቦት ዘይኮኑ፡ ስድራን ናብራን ባህግታትን ዝነበሮም ሰባት እዮም ነይሮም።
እታ ጽሕፍቲ ኣብ ገድሊ ንዘይነበረ፡ ወይ ወተሃደራዊ ኣሰራርሓን ኣሰራርዓን ህ.ግ. ንዘይፈልጥ ሰብ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ንዛረበሉ ዝነበርና ግዜን ኩነታትን ሓበሬታ ክትህበሉ ብእትኽእል ኣገባብ ከም ዝቐረበት ብዙሓት ኣስተብሂሎምላ። ነቲ ተጋደልቲ ዕላማ ኣልቦ፤ ዕሙታት ጠነንትን ተዋጋእትን ነይሮም ዝብል ሓሓሊፉ ዝስማዕ ኣባሃህላ’ውን ኣብ ግምት ኣእትያ እያ ተጻሒፋ። ብርግጽ ቀዳማይ ዕማም ተጋደልቲ ወተሃደራዊ እዩ ነይሩ ስለዝኾነ ወተሃደራዊ ባህሊ ክነብሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ደቂሰባት ስለዝኾኑ ኩሉ ኣብ ደቂሰባት ዝረአ ባህርያት ነይርዎም። ኣብዛ “ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ሓጻር ጽሕፍቲ ንእግረመንገድና፡ ተጋደልቲ ከም ኩሉ ሰብ ዝፋቐሩን ዝጻልኡን፤ ዝሕጎሱን ዝጕህዩን፤ ከምቲ ኣብ ገለ ዕላላት ዝስማዕ ብሓሽሽን መስተን ሰኺሮም ዘይኮኑስ ሞትን ደምን ከምዘሎ እናፈለጡ ብሕርያኦም ዝቅበልዎ ከምዝነበሩን፤ ኣብ ካናለታትን ኣንደርግራውንድታትን ዝምድናታትን ስድራታትን ከም ዝመስረቱን፤ ኮታስ ናይ በይኖም ንኡስ ባህልን ሕ/ሰብን ከም ዘማዕበሉ ክነርኢ ፈቲንና።
ንወዲ ፍላንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ንኡስ ሕ/ሰብ ተጋዳላይ፡ ምስቶም ዝመርሖም ዝነበረ ጀጋኑ ተጋደልቱ ክንርእዮ መሪጽና። ነቲ መሪር ግዜ ንምርኣይ፡ መስዋእቲ ሚርያምን ወዲ ፍላንሳን (ሰብ ሓዳር) ኣብ ሓደ ወራር፤ መስዋእቲ ሃብተገብርኤልን ኣብረሀት ሓብቱን ፡ ከምኡ እውን ወዲ ጎማን ሓብቱን ከኣ ኣብ ሓንቲ ውግእ፡ ከም ኣብነት ቀሪቡ። እዚ ኣብነት‘ዚ ተራኺ ዝዝክሮን ብዓይኒ ስድራ ደረጃ (ኣሕዋትን ሰብ ሓዳርን) ተራእዩ ‘ዩ ተሓርዩ ‘ምበር እቲ መስዋእቲ ኣዝዩ ብዙሕን ከቢድን ምዃኑ ኣንባቢ ይርደኦ’ዩ ኢልና ንኣምን። ነብሰወከፍ ተኻፋሊ ናይዛ ውስንቲ ውግእ’ዚኣ፡ ንኣብነት እንተዝሕተት፡ እንታይ ዝኽርታት ምሃለዎ? ስለ’ዚ ኣንባቢ ግቡእ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ኣትሪፉ ክህሉ ንትስፎር። ብሓፈሽኡ፡ ኲናትን ሃልኩን (ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ወገኑ) ብዓቕምና ክንቀርጽ ፈቲንና። እዚ ብውሱን ትዕዝብቲ ናይ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ጽቕጢ ውግእ ዝጓዓዝ ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ። ዝበዝሕ ክሳብ ሕጂ ዘንበብናዮ ጽሑፍን ስኡልን/ቅሩጽን ስረሓት ገድልና ትሕዝቶኡን ኣቀራርብኡን ንፕሮፓጋንዳ ወይ ንምልዕዓል ዝተሓርየ ስለዝኾነ፡ እንተ ሓቕኛ ምኽንያት መንቀሊኡ ይኹን ወይ ዝህቦ ስምዒት፡ ኣብ መወዳእታ ሓፈሻውን ፖለቲካውን ኮይኑ ይተርፍ። ንሕና ካብዚ ናጻ ክንከውን መሪጽና። መስዋእቲ ብጾትና ንጎስጓስ ክንጥቀመሉ ሕልናና ኣይገብረልናን’ዩ። ብኡ መሰረት እዩ ብጥንቃቐ፡ እቲ ሃብቶም ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ከምቲ ዘለዎ ክነቐምጦ ዝመደብና።
ኣብ ኣቀራርባና፡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እነንብቦ፡ ቲድሮስ፡ ዮውሃንስ፡ ናፖሊዮን፡ ሞንትጎመሪ፡ ሮሜል…ወ.ዘ.ተ. እናተባህለ፡ መስዋእቲ ኣሽሓት ስም-ኣልቦ ጀጋኑ ብስም መራሕቶም ተሰሪቑ ዝዝንተወሎም ክንወጽእ ደሊና። ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ምቕሉልን ናይ ብሓቂ ተጋዳላይን ስለዝነበረ ምስ ብጾቱ ክንዝክሮ እምበር ድኻምን መስዋእትን ብጾቱ ክውንን ወይ ክብሕት ኣይምደለየን ነይሩ። ብዚ መሰረት፡መስዋእቱን መስዋእቲ’ቶም ካልኦት ብጾት ዝግበኦ ማዕረ ክብሪ ክንህቦን፡ ተጋዳላይን ታሕተዎት ኣዘዝትን ህዝብን ዝጻወትዎ ተራን ዝኸፍልዎ መስዋእትን፡ ብፍላይ ድማ ተራ ናይተን ሓበን ኤርትራውያን ዝኾና ኣሓትና ተጋደልቲ ክነንጸባርቕ ፈቲንና።
ሓደ ሓደ ኣንበብቲ እታ “ልበ-ወለድ” እትብል ልቃብ ኣይፈተውዋን። ሓቆም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ናይ ርኢቶታት ፈትልታት/threads/ እውን ክነብርሃ ፈቲንና። ሃብቶም ካብ መጀመርያ ኣይፈተዋን ነይሩ። ግን ናብ ሳላሳ ዓመታት ተመሊስካ ምዝንታው ቀሊል ስለዘይኮነ፡ እተን ዘይሃሰሳ ፍቅዶ ዝኽርታት ክትተኣማመነለን ትኽእል ‘ኳ እንተኾይንካ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ስእላዊ ክትገብሮ ግን ናጽነት ጸሓፊ ስለዝጠልብ፡ ኣቀራርብኡ ኣክንዲ ጸብጻባውን ደረቕን ዝኸውን ስነ-ጽሑፋዊ መታን ክኸውን ኢና ኣልጊብናያ። ኣብታ ሳልሰይቲ፡ ናብ መስዋእቲ ወዲ-ፍላንሳ ኣብ ዝተቃረብናሉ መድረኽ ኢና ብኣፍልጦ ንክብሪ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዘልገስናያ።
ቅድሚ ናብ ሕቶታት ምሕላፍ ግን ክልተ መኣረምታ ኣለዋና።” እቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ዘይኮኑስ ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ፡ ኣብታ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ መዓልቲ፡ ንግሆ እዮም ተጸንቢሮምና” ይብል ሃብቶም።ከምኡ እውን ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይታ ጽሑፍ ኣሕዋት ሃብተሀብርኤልን ጽሃይነሽን ኢልና ነይርና። ግን ሓብቲ ሃብተገብርኤል፡ ጸሃይነሽ ዝይኮነትስ ኣብረሀት ኣርኣያ እያ። ጽሃይነሽ እውን ናይ ቀረባ ዘመዶምን ተጋዳሊትን ስለዝነበረት ኣስማተን ተደናጊሩ ነይሩ። እምበኣር፡ እዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ብገጸ-ገጽን ብተለፎንንን ኢሜልን ዝተደጋገማ እየን። ገሊአን ተጣሚረን ቀሪበን ኣለዋ።
ሕቶታትን መልስታቶምን
ሕቶ= እቶም ኣባላት ስለያ ይመጽኡኹም ከምዝነበሩ ተሓቢርክም ነይርክም’ዶ?
ሃብቶም፡ ዝመጸና ሓበሬታ ኣይነበረን።
ሕቶ፡ እሞ ከመይ ኢልክም ምስ ዘይትፈልጥዎም ሰባት ትጓዓዙ ነይርክም?
ሃብቶም፡ ኣብ ግዜ መጥቃዕቲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተጋደልትን ሓለፍትን ትራኸብን ተፈላለን ኢኻ። ኣብ ሓደ ውግእ ነናቶም ሞያ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሰባትን ጉጅለታትን ይሳተፉ ‘ዮም። ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ናይ ሃንደሳ፡ ስለያ፡ ከቢድ ብረት፡ ኤምዳድ………ወዘተ። ነናቶም ምምሕዳር ኣለዎም ግን ክትራኸብን ብሓንሳብ ክትጓዓዝን ንቡር እዩ።
ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ዝፈልጦም ‘ዶ ይመስል ነይሩ? ቅሩብ ዘጠራጥሩ’ዶ ይመስሉ ነይሮም?
ሃብቶም፡ ዘጠራጥር ባህርያት ኣይረኣናሎምን። ወዲ ፍላንሳ ይፈልጦም ይንበር ኣይንበር ኣይፈለጥኩን ንሶም ግን ብስሙ ክጽውዕዎን ከዕልልዎን ናይ ተክኒክ ሓበረታታት ክህብዎን ርእየ። ብመሰረቱ እውን ኣቓልቦና ዝስሕብ ዘይንቡር ነገር ስለዘይረኣና ኣይተገደስናሎምን።
ሕቶ፡ ንምንታይ ‘ዮም ኣብታ መወዳእታ ሳዓት እቶም ስለያ ጥራይ ምስኡ መሪሖም? ንምንታይ ኢኹም ንስኹም ተሪፍኩም?
ሃብቶም፡ ኣብኡ ጥራይ’ኮ ኣይኮኑን ንሶም ምስኡ ካባና ሕልፍ ዝበሉ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ ነይሩና እዩ። ነቶም ኣካይዳ ኦፐረተራት ዘይትፈልጡ ቅሩብ ክሕብር። መጥቃዕቲ ኣብ ዝግበረሉ ንቅድሚ ምኻድ ማለት እዩ። ሓለፍቲ ብርጌዳት ዝበዝሕ ግዜ ንእዚ ክጥዕም ድሕር ኢሎም እዮም ዝግስግሱ። ኣብ ሓደ ቦታ ደቃይቕ ወይ ሳዓታት ወይ እውን መዓልታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ግስጋሰ ናይቲ ኲናት እዩ ዝውስኖ። ኦፐረተራት ብርጌድ ናይቲ ግዜ ሓንቲ PRC እትበሃል ተሓንጊጥካያ እትጓዓዝ ሬድዮ ነይራትና። ኣብ ነዕርፈሉ ግዜ ንርክብ ኣብ ዝምችኣሉ ቦታ ነጻውዳ። መራሕቲ ድማ ኣብ ኢዶም ዝሕዝወን ነኣሽቱ ሬድዮታት ይጥቀሙ። ካልእ ከም ሽኮር፡ ሽጋራን መግብን እውን ንስከም ነይርና። ስለ’ዚ ኣብ ሓደ ቦታ ጸኒሕካ፡ እቲ ሓላፊ ብዙሕ ዝጠራነፍ ኣቕሑ ስለዘይብሉ ኣቀዲሙ ክሓልፍ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ብቅድምና ናትና ሰራዊት ከምዘለዉ ዘይምዝንጋዕ። ካብኡ ናብኡ ወላ እቶም ኦፐረተራት እንሓንሳብ ተሰሪዕና እንሓንሳብ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተፈላሊና ምጉዓዝ ካብ ንቡር ዝወጸ ኣይኮነን።
ሕቶ፡ ናይታ ዝሰምዓኩማ ቶዅሲ ዓይነትን ርሕቐትን ኣንፈት? ኣወቓቕዓ?
ሃብቶም፡ ቶኽሲ ቃጻሊ ነይሩ። ኣብ ውግእ ‘ኳ ኢና ነይርና። ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ጸጋማይ ኣፍ ልቡ ተወቒዑ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ግን ዝፈተሽናዮ ኣይነበረን ንሱ እውን ግዜ ኣይሃበናን። እዚ ሕጂ ዝበሃል ጥርጠረታት ስለዘይነበረና ዝያዳ ክንምርምር ኣይከኣልናን። ዓቕሙ እውን ኣይነበረናን። በዓል ቻይና ምስ መጹ እውን ዝተገብረ ፍሉይ ምርመራ ኣይነበረን።
ሕቶ፡ ተወልደ ኣድሓኖም ዝበሃል ኣባልኩም “ ወዲ ፍላንሳ ቀቲሎሞ” ስለዝበለ ተቐቲሉ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?
ሃብቶም፡ እዛ ሕቶ’ዚኣ እውን ተደጋጊማ እሕተታ እየ። ድሕሪ’ዛ “ ሃለው ባሕሪ” ጽሕፍቲ ከኣ ዝያዳ ርስንቲ ኮይና። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ዕላማይ ዝኽሪ እዩ ነይሩ። ተደጋጊማ ካብ መጸት ግን እቲ ዝፈልጦ እንተካፈልኩ ሕማቕ ኣይኮነን። ኣብ ብርጌድ 58 ክውዛዕ ከለኹ ተወልደ ኣድሓኖም ድሮ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ከምዝመስለኒ ብ1976 ወይ 77 እዩ ተሰሊፉ። ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ማለት 1983፡ ሓላፊ ኤምዳድ ( ሓላፊ ቀረብን ምኽዛንን ምምሕዳርን ብረታትን ተተኮስትን) ብርጌድና ነይሩ። ብትዕዝብተይ ተወልደ ህርኩትን ሕዉስን በሊሕን ሰብ ነይሩ። ብድሕሪ መስዋእቲ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ- ከምዝመስለኒ ኣብ 1984 ኣቢሉ እዩ- ተወልደ ኣድሓኖም ናብ ጸላኢ ሰሊሙ። ደድሕሪ ምስላሙ ኣሃዱታትና ሒዘንኦ ዝነበራ ኣገደስቲ ቦታታት ተደብዲቡ። ናይ ወገን ጥራይ ክፈልጦ ዝኽእል ብድሕሪ ድፋዕ ዝነበረ ኣገደስቲ ቦታታት ከይተረፈ ስለዝተደብደበ “ ወዲ ኣድሓኖም እዩ ኣደብዲብዎ” ተባሂሉ ይግለጽ ነይሩ። ብተወሳኺ ወዲ ኣድሓኖም፡ ንወዲ ፍላንሳ “ ሻዕብያ ቀቲላቶ” ኢሉ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ። ሽዑ ከም ተራ ክድዓት ‘ኳ እንተወሰድክዎ ንወዲ ኣድሓኖም ይኣምኖ ስለዝነበርኩ ምስላሙ ገሪሙኒ። ቅድምኡ ዝሰለሙ ተጋደልቲ ተመሳሳሊ ዘረባታት የሰራጭዉ ስለዝነበሩ ነቲ ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ዝበሎ ክሲ ኣቓልቦ ዝገበረሉ ኣይነበረን። ብኡ ኣቢሉ እውን ተረሲዑ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ወረ ናይቲ ተረሲዑ ዝነበረ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከባቢ ቤ/ጽሕፈትና ክናፈስ ጀሚሩ። ኣብ ከሰላ ከምዝነበረን ናብ ወጻኢ ክኸይድ ይሸባሸብ ከምዝነበረን ሓበሬታ መጺኡን ይዝረበሉ ነይሩን። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ጸኒሐ ምስ መጻእኩ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ዓቢ ድግስ ተገይሩ ይጸንሓኒ። ነቲ መሳርሕተይ ተረኛ ኦፐረተር ምስ ሓተትኩ “ ኣይሰማዕካን’ንዲኻ፡ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከሰላ ከምዝቐተልዎ መልእኽቲ መጺኡና” ኢሉኒ። ጽንሕ ኢልና፡ ኣብቲ ድግስ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ብመስተ ረሲኑ ዓዕ እንዳበለ “ ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ’ዩ። ኣይምሕርን ‘ዩ። ከዳዕየ ከዳዕ፡ ጥራይ ስተዩ “ ኢሉ ወዲ ኣድሓኖም ከምዝተቀንጸለ ገሊጹ። ሽዑ ኣነ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ፡ ካብ ወዲ ኣድሓኖም ንላዕሊ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ሱዳን ከም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ። “ ምናልባት ኣነ ዘይፈልጦ ገበን ፈጺሙ ክኸውን ኣለዎ” ኢለ። ክሳብ ሎሚ እውን በታናይ ወዲ ፍላንሳ ዘረብኡ ድዩ ወላ ብካልእ ተቐቲሉ ብልክዕ ዝፈልጦ የብለይን።
ሕቶ። ነቶም ኣባላት ስለያ ትጥርጥሮም’ዶ?
ሃብቶም፡ እቶም ስለያ ብቀጻሊ ናይ ካርታ ሓበረታታት ክህብዎን ምስኡ ክማኸሩን ንርእዮም ነይርና። ነቲ ግንባር ከጽንዑ ዝጸንሑ እዮም ዝመስሉ። ስለ’ዚ ዘጠራጥር ነገር ኣይረኣኹሎምን። ካልእ ኣንባቢ ክፈልጠለይ ዝደሊ፡ ኣነ ኦፐረተር እየ ነይረ። ስርሓይ መልእኽትታት ብኮዳት ምምሕልላፍ ጥራይ ነይሩ። ስለያ ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱን ኣብ ምምዕባል ውጥን መጥቃዕቲ ይኹን ኣተጋባብርኡ እውን ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ስለዝኾኑ ምስ ወዲ ፍላንሳ ኣቀዲሞም ኣብቲ ምድላዋት ተራኺቦም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብሂወቶምን ኣብ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ቦታን እንተለዉ ቃሎም ክሰምዕ ደስ ምበለኒ።
ሕቶ፡ ሚኪኤል መለስ ዝበሃል ኦፐረተ ናይ ወዲ ፍላንሳ ነይሩስ መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ዘቃልዕ ምስጢር ስለዝነበሮ ኣጥፊኦሞ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?
ሃብቶም፡ ሚኪኤል መለስ ዕባይ ቤት/ት/ሰውራ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ኦፐረተርነት ተማሂርና። ንሓጻር እዋን ምስ ወዲ ፍላንሳ ጸኒሑ። ወዲ ፍላንሳ እውን ብጣዕሚ ይፈትዎ ነይሩ። ሚኪኤል (ወዲ መለስ) ግን ኣብ ሓይልታት ከይዱ ክዋጋእ ስለዝደለየ ኣቕቢጹ። ናብ ሓይልታት ድማ ተመዲቡ። ኣብ እዋን መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ምሳና ኣይነበረን። ሚኪኤል መለስ ከም ቃሉን ትምኒቱን ኣብ ግንባር ሓልሓል ካብቶም ግኑናት መድፈዓጅታት ነይሩ። ኣብ ባህላዊ መዳያት እውን ይነጣጣፍ ነይሩ። ንክራር ከም ብሬን ፒ ከይ እዩ ዘነቅዋ ነይሩ። ሓንቲ ካብተን ህቡባት ደርፍታቱ “ ኣቤት ጽንዓት” እትብል ነቲ ብ10/10/10 ብዕለት 10/10/1985 ብወገን 10( ግንባር ዓስርተ ናይ ሓልሓል) ዝተፈጥረ ጹዕጹዕ ኩነታትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ትገልጽ። ወዲ መለስ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተወጊኡ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ኣብ ኣከባቢ ቢሰስ (ሽዕብ) እታ ዝነበረላ ሕክምና ብነፈርቲ ተደብዲባ ኣብኣ ተሰዊኡ። ስለ’ዚ እቲ ዝበሃል ሓቂ ኣይኮነን።
ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ተቀቲሉ’ዩ ‘ዶ ትብል?
ሃብቶም፡ ብመጀመርያ ብሰንኪ ንእስነትን ተመክሮን እዚ ሎሚ ዝሰምዖ ዘለኹ ሽዑ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ንወዲ ፍላንሳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዲት፡ ብእዝነይ ይኹን ዓይነይ ዝረኣኹዎ ኣይነበረን። ኣብ ዕላላቱ እውን ስክፍታ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። እታ ሕቶ ብሓሳብ ደረጃ ጥራይ እንተኮይና ግን ዕድመ ዘይምህሮ የለን’ዩ’ሞ ዘይግበር ከምዘየለስ እፈልጥ’የ። ኣነ ከስምረሉ ዝደሊ ግን ተቐቲሉ እዩ ዘብል ጭብጢ የብለይን።
ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ
ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ