ንሃገርና ወኪልካ ኣብ መጋብኣያታት ዓለም ቐሪብካ ፖሊሲታት መንግስትኻ ክተብርህን ክትከላኸልን እዕዘብ። ጸጸቡቑ ክተደምቕ፡ ከክፍኡ ድማ ክትሓብእን ክትቐብርን ክትረባረብ እርእየካ ኣለኹ። ሕመቓት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ካልኦት ክትስልብጦን፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ብጹእ መለኾታዊ እምበር ከም ጌጋታት ዝፍጽም ወይ ክፍጸመሉ ዝኽእል ምድራዊ ትካል ወይ ኣሃዱ ጌርካ ክተቕርብ ኣይርኣን። እትጥቐመሉ ቋንቋን ኣቐራርባን ግን ይጠልመካ ኣሎ። ሜላ መንግስትኻ ክተሳስንን ክተራጉድን ዝተመዘዝካሉ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ኣይተሓዘልካን። ሰራሕተኛ መንግስቲ ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወትና፡ ነቶም እንክተሎም ሜላታትን ኣፈጻጽማ ናይቲ ዝተመደብናሉ ስራሕን ብዕቱብ ነቐፌታዊ ዓይኒ ክንግምግም ዘገድዱና ሕደት ኣገደስቲ ፍጻሜታት የጋጥሙና እዮም። ገለ ካብዞም ፍዛሜታት ኣዝዮም ከበድቲ ይኾኑ እሞ “እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ” ከም እንብልን ናብ መዓሙቕ ናይቲ በብግዚኡ ዘሻቕለናን ዝርብጸናን ተዋቓዒ ሓሳባት ከም እንጥሕል ይገብሩና።
እንተደኣ ብሓቒ ንስምዒታትና ክንምርምርን ብኣንክሮን ድፍረትን ክንገጥሞምን ክኢልና፣ ሎሚ ዘይኮነስ፡ ሃገርና ካብ ዓስርተታት ዓመታት ኣትሒዛ ብዘይድሌታ ናብ ጎደና ዕንወት ትጉተት ከምዘላ ብሩህ እዩ። እዚ ዘለናዮ ህሞት ሓደ ካብቶም ሓንሳብ ደው ኢልና ሕሳብ ናይቲ ከምንቡር ወሲድና መዓልታዊ ንጓየየሉ ስራሓት እንጸባጸበሉ እዋናት እዩ። ግዜኻን ጉልበትካን ብሓቒ ኣብቲ ዝግበኦ’ዶ ይባኽን ኣሎ? ነዛ ዕድመኻ ዝወፈኻላ ሃገር ኸ ካብዚ ትገብሮ ዘለኻ ብዝተፈልየን ዝበለጸን መገዲ ክተገልግላ ኣይምኸኣልካን? ኣኺልዋ ድዩ ኤርትራ- ካብዚ ንላዕሊ ክተደምዕ ኣይትኽእልን? እቲ ዝተጋደልካሉ ምስሊ ኤርትራን እዚ ዘሎ ክዉን ስእሊ ኤርትራን ይጋጠሙ ‘ዶ? ሕራይ’ስከ፡ ጸቕጥን ጽዕነትን ናይ ዓለም ከቢዱና ንበል፣ እስከ ከምቲ ወትሩ እትብሎ፡ ሃገራት ዓለም ዘርየናልና ንበል፣ ግን ስለምንታይ ጸቕጢ ዘፍኩስን ጽዕነት ዘጓድልን ዲፕሎማሲ ዘይተከተልና? ስለምንታይ ዓመት መጸት ሃገርና ኤርትራ ትሽመመሉ ዘላ ጉድጓድ እንዳ ዓመቘ ዝኸይድ ዘሎ? ስራሕካ ኸ ነዚ ዘጥሕላ ዘሎ ባይታ ምምድማድን ምድልዳልን ከምኡ እውን ካብቲ ትወሓጠሉ ዘላ ጉድጓድ ንኽትወጽእ ዘኽእላ ሜላታት ምድላይን’ዶ ኣይኮነን? ቀንዲ ስራሕካ ቅኑዓት ሜላታት ምድላይን ነቶም ቅኑዓት ሜላታት ዲፕሎማሲ ድማ ብመራሕትኻ ተቐባልነት መታን ክረኽቡ ብትብዓት ምዝራብን ምጽዓርን’ዶ ክኸውን ኣይግበኦን ነይሩ? ኣምባሳደር ሓንቲን ሃገር ኮምፓስ ወይ ብሶላ ናይታ ሃገር ማለት’ኳ እዩ። ኣብ ዝተረበጸ ውቕያኖሳት ዲፕሎማሲ ንሃገርካ ዘዋጽእ ሜላ ምንዳፍን ንቕኑዕነቶም ምጽዓርን ‘ዶ ኣይኮነን ስራሕ ኣምባሳደር? ብሕጽር ዝበለ፡ ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ወዲቕና (ካባ ኣምባሳደርነት ኣውጺእካ፡ ነታ ናይ ልብኻ ሓሳብ ደኣ ተወከስ)?
ሰባት ይኹኑ ወይ ሃገራት ይዕንቐፉን ይወድቑን እዮም። እስከ ከም ሰብና ተዓንቒፍና ንበል፣ ስለምንታይ ካብቲ ዘወደቕናሉ ክንትንስእ ዘይከኣልና? ከም ፖለቲካዊ መራሒ መጠን፡ ናይ ግድን ሰሌዳ ግዜ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ መኸተ ካብ ዝሰላሰል ዳርጋ ዕስራ ዓመት ክገብር ቐሪቡ። መከተ ኤርትራ ኣንጻር ማሕበረ-ሰብ ዓለም! ብሕጽር ዝበለ ሓንቲ ሃገር ተዓንቒፋ ኣብ ውሽጢ ክልተ-ሰለስተ ዓመት እንተዘይተንሲኣ ሽግር ናይቲ ዝመርሓ ዘሎ ወገን እዩ። ወላ ከምቲ ትብልዎ፡ እቲ ዝወርድ ዘሎ ሽግር ብሰንኪ ናይ ወጻኢ ዓለም ውዲታት እዩ ኢልክም እንተ ኣኣሚንኩምና፡ ነቲ ውዲታት ዝብድህ ኣካይዳ ብዘይምክታልኩምን ነተን ንኤርትራ ከኽብባን ክንጽላን ዝጽዕራ ሃገራት ብዘይምምካትኩምን ስዑራት ኢኹም። ካብቲ ዝረአ ዘሎን ሕላገትና ዝኾነን፡ ማለት ንሃገርና ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ሸንኮለልን ሸንኮርተትን ካብ ምባል ብዘይምውጻእክም ስዑራት ኢኹም። ብሓጺሩ፡ ካብቲ ባዕልኹም ዝፈጠርኩምዎ ከበባ ክትወጽኡ ብዘይምኽእልኩም ስዑራት ኢኹም። ኤርትራ ብህዝቢ ዝተወከለ መንግስቲ ዝገዝኣላ ሃገር ነይራ እንተትኸውን፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክስታት ንምግላፍኩም እኹል ባይታ ምኾነ ነይሩ። ብሰንኪ ሕምቐትኩም ሃገርና ወዲቓ ኣላ። ብሰንኪ ሕምቐትኩም፡ ካብ ዝወደቐትሉ ክትንስእ ኣይከኣለትን።
“ግዜ ዳኛ እዩ። ግዜ መወከሲ እዩ” በለት ስውእቲ መጋድልትኻ መምህር ኣልጋነሽ ኣብ ሓደ ንስኻ ዝነበርካዮ ኣኼባ። እቲ ነገር ምስ ጉዳይ ናይ ሓደ ብብደዐን ዕቡይነትን ተዛሚዱ ዝንቐፍ ዝነበረ ብጻይ ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ። መምህር ኣልጋነሽ መቸም ከም ትዝክራ፡ ሕልክስክስ ዝብሉን ምኽንያታት ዝፈጥሩን ሰባት ብሱሩ ኣይትፈቱን እያ ነይራ (ነብሳ ይምሓራ)። እቲ ሰብ፡ ኣክንዲ ጌግኡ ዘልዕል ንኹላ እታ ኣኼበኛ እዩ ዝውንጅል ነይሩ። ንሱ ቕኑዕ ካልእ ኩሉ ኣበረኛ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ መምህር ኣልጋነሽ (ብነብሳ ብዙሕ ዘረባታት ኣይትፈቱን ነይራ) ተንሲኣ ጉድለቱ ኣብሪሃ፡ ክገብሮ ዘለዎ ብቐደም ተኸተል በተን ልስሉሳት ቓላታን ህዱእ ኣቐራርበኣን ገለጸትሉ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝሰርዓታ ነጥቢ ድማ፡ እቲ ብጻይ ሓላፍነት ክስከምን፡ ናብ ሕልንኡ ተመሊሱ ንኹሉ ዝኽተሎ ዝነበረ ሜላታት ክምርምርን እተተባብዕ ምዕዶ እያ ነይራ። ንመምህር ኣልጋነሽ ዓይንኺ ትደፈን ዝብል ሰብ ኣይነበረን’ሞ እቲ ብጻይ እውን ተቐበላ። ሽዑ እያ “ግዜ ዳኛ እዩ፣ ግዜ መወከሲ እዩ” ዝበለቶ። ነቐፌትኡ ብእወታ ተቐቢሉ’ሞ ክመሃረሉን ክመሓየሸሉን ድዩ “ተቐቢለያ” ኢሉ ወይስ ካብታ ርስንቲ ህሞት ክላቐቕ ገይርዋ፡ ግዜ ባዕሉ ከብርሆ እዩ ከም ማለታ እዩ ነይሩ።
ናይ ብሓቒ ድማ ግዜ ዳኛ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እቲ ምሉእ እምነት ዘንበርናሉ መራሒ ካልእ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ንምከሓሉ ዝነበርና መሪሕነት እውን፡ ንዓና ወኪሉ ዝዝትን ኣብ መተከላትን መርገጽታት ዝካታዕን ብመንጽር ናይቲ ዘንበርናሉ ሓላፍነት “ሓመድ ተሳሒኑ” ውሳኔታት ዘሕልፍ ዝመስለና ዝነበረስ፡ ደንጒና ከም ዘረጋገጽናዮ፡ ሓላፍነቱ ንሓደ ውልቐ ሰብ ኣረኪቡ፡ ዝተዳለወ ጸብጻብ ሰሚዑ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ውሳኔታት ብስሙ እናተቓለሐ ዕሽሽ ኢልዎ ናብ በቦትኡ ይምለስ ከምዝነበረ ኣባላቱ ዝነበሩ በብግዜኡ ዝገልጽዎ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ተጋዳላይ ነቲ መሪሕነት ኣሚኑ ብዘይዕርፍቲ ክረጋረግ እንከሎ፡ እቲ መሪሕነት ግን መጨጭሒ ዲክታታርነት እዩ ዝነበረ። እቲ ዘሕዝን ድማ፡ እቲ ወኪልካ ትምድረሉ ዘለኻ መንግስቲ፡ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተበራበሩን “ኣይ፡ ሕጅስ ግዜ ተቐይሩ’ዩ እሞ ንዓ ደኣ ንጸባጸብ፣ መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንኸተል፣ ጉዕዞና ንገምግም” ዝበልዎ ዝበዝሑ ኣባላት መሪሕነት ሸሪቡ፡ ብኢደወነኑ ንሃገርና ካብ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ቕልውላው ይመርሓ ምህላዉ እዩ።
ግዜ ዳኛ እዩ ወዲ ገራህቱ። ብዛዕባ ዲሞክራስን ኣተሃናንጻ ሃገርነትን ክትዛረብን ንዕኡ ዝምልከት መጽሓፍ ክትህበንን ይዝከረኒ። ግዜ ደኣ መወከሲ ኮይኑ እምበር፡ ከመይ ኢለ እየ ሎሚ ክኣምኖ ምኸኣልኩ? ከመይ ኢሉ እዩ ኸ ንስኻን እቲ ዝተኸላኸለልካን ዝኣለየካን ብጻይ በራኺ ገብረስላሰ ኣብ በበይኑ መዓልቦ ክትወድቑ ክኢልክም? ከመይ ኢሉ እዩ እቲ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ተባሂሉ ዝውረየሉ ዝነበረ ተሪር በራኺ ኣብ መወዳእታ፡ ንሃገር ዝፈታተን ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ፡ “ኖእ፡ እዚኣ እንተገበርና ትሓይሽ” ክብል ተገዲዱ፣ ብኣንጻሩ ንስኻ፡ እቲ ብንኡስ ብርጅዋን ካልእ “ሕማማትን” ክትጋፋዕ ዝተጋደልካን፡ በራኺ ዝተኸላኸለልካን ዘተባበዓካን፡ ሎሚ ዘመን ተገምጢሉስ፡ በራኺ ኣብ ጉድጓድ ክበሊ ንስኻ ከኣ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ክትከውን በቒዕካ? ንምሕረት እዮብን ጓላን እንታይ ትዕልለን? ብጻይ በራኺ ሃገር ከዲዑ ከምዘይትብለን ጥርጥር የብለይን። ንተጋደሊት ሮማ እንታይ ትብላ ወዲ ገራህቱ? ሃይለ ድሩዕ ሃገር ሽዪጡ? ንኣስተር ሰለሙን ረኺብካያ ኣይትኸውንን ኢኻ። ምኽንያት ከኣ ኣለዎ። ሓዋ ጥራይ ስለዝተኣስረ እቶም ምሳኻ ክጻወቱ ዝዓበዩ ደቃ ከይረኣየት ኣብ ስደት ትነብር ጸኒሓ። ምስጋና ነቶም ሰብ ጽቡቓ፡ ደቃ ኣብ መወዳእታ ገቢዞም መጺኦማ። ኣይንዓለም (ጆ) ዓርክኻን መጋድልትኻን እዩ። ብሰንኪ ጉዳይ ዘምኡ ጲጥሮስ፡ ንሱ እውን ንሰበይቱን ደቁን ክርእን ክሕከምን ካብ ኤርትራ ክወጽእ ኣይከኣለን።ጴጥሮስ መጋድልትኻን ሓላፊኻን ነይሩ። ንሱ ስለዝተኣስረ ጥራይ ስለምንታይ ሰበይቱን ደቑን ይሳቐዩ? ስለምንታይ ኣስተር የውሃንስ ገጻን ድምጽማጻን ጠፊኡ ኢልካ ንነብስኻ ሓቲትካ ከም ትኸውን እውን ኣይጥርጥርን። ጉዳይ ጅግና ቢተወደድ ኣብርሃ እውን ርእሱ ዝኸእለ እዩ። እዚኦም ብቐረባ ዝትንክፉኻ ሰባት ስለዝኾኑ እምበር እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ኣዚኻ በሊሕን ምሁርን ሰብ ኢኻ። ገበን ተላጋባይ ኣይኮነን። ሰባት ምስቲ ቀንዲ ተጠርጣሪ ውልቀሰብ ብዘለዎም ምቅርራብን ዝምድናን ኣይክሰሱን እዮም። ትፈልጦ ኢኻ። ውልቀሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንርእሶም ደኣሎም ዝውክሉ እምበር ንመቕርቦምን ኣዕሩኽቶምን ኣይልክሙን እዮም። ኣብታ ንስኻ ትውክሎ መንግስትና ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራና ግን ነገራት ውጅብርብር ካብ ዝብሉ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-
እዚ ትከላኸሎ ዘለኻ፡ ብኮምሽን መሰል ደቂሰባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተለለየ ገበናት ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ትህቦ ዘለኻ መልስታት እውን ኣሰልቻዊ ካብ ዝኸውን ግዜ ወሲዱ እዩ። ሎምስ ሓተታን መግለጽታትን ካብ ምውጻእ እንተትዕርፉ ምሓሸ። ምኽንያቱ እቲ መልስታትክም ኩሉ ሰብ ዝግምቶን ዝጽበዮን ቅዳሓት ኮይኑ። ኤርትራ ጸላእቲ የብላን ዝብል ሰብ የለን። ይኹን እምበር፡ ንርኡይ ብልሽውን ጸቓጥን ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ናብ እንዳማቱ ዝሽንብብ እንተሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ጸላእቲ ኤርትራ ዝውቐሱሉ ጉዳያት ይሃሉ እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወኪልካዮ ዘለኻ መንግስቲ ጥራይ እዩ ዝኽሰስ።
1. እቲ ምኽያት ናይ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ኢትዮጵያ እንተኣጸጋዕካዮ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣገልግሎት ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ግን ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ናብ ኢትዮጲያ ክተልግቦ ትኽእል?
2. “ቀደም ኲናት፡ ሕጂ ከኣ ‘ኣይኲናት ኣይሰላም’ ንፖለቲካዊ መስርሕ ዓንቒፍዎ” ኢልካ ትገልጽ። ሕራይ ንብዙሕነት ፖለቲካ ብከምኡ ነመኽንየሉ። ምኽንያት ናይ ስእነት ግዝኣተ-ሕጊ ኸ እንታይ እዩ? ኣብታ ሃገር መባእታዊ ምሕላው መሰላት ንኸይህሉ ከመይ ኢሉ እዩ ጉዳይ ዶብ ክጸልዎ። ንኣብነት ኣነን ንስኻን እንፈልጦም ሰባት ንሓሙሽተ ወይ እውን ንዓስርተ ዓመታት ተኣሲሮም፡ ምኽንያት መእሰሪኦም እውን ከይተነግሮም ክፈትሕዎም ንርኢ። ንኸይዛረቡ እውን ተኣጊዶም። ኣነን ንስኻን እንፈልጦም፡ ብዙሓት ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡን፡ እቶም ሃላዋቶም ዝፍለጥ እውን ብዘይፍርድን ስድርኦም ከይረኣዩን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለው። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና፡ እታ “ፍትሕን ሓርነትን ዝዓሰላ ሃገር ክንሃንጽ ንጋደል ኣሎና” ትብላ ዝነበርካ ኣበይ ኣቢላ? ጉዳይ ዶብ ከ ከምይ ኢሉ እዩ መመኽነዪ ምርጋጽ መባእታዊ መሰላት ዝኸውን? ኣዘዝቲ ሰራዊ ከይተረፉ ንሰባት ብ”ይጽነሓለይ” ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጉኑ ከምዝነበሩ ብኡ ዝሓለፉ ኣዕሊሎምኒ። እቲ ቐጻሊ ግፋን ግፍዕን ኸ መርኣያ ተቓውሞ መንእሰያት ‘ዶ ኣይኮነን?
3. ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ እቲ ልዕሊ ክሉ ዘሻቕለኒ፡ ዋሕዚ መንእሰያትና ናብ ስደት እዩ። ኣብ ሰንጭሮታት ሳሕል ኮይንካ፡ ዘርኢ መጻኢ ኤርትራ ትነድፍን ትኹስኩስን ከምዘይነበርካ እዝክር። ሎሚ ግን መሻርኽቲ ናይቲ ሰራውር ቡቕሊ ናይ መጻኢ ኤርትራ ዘንቕጽ ዝብንቑርን ዘሎ ስርዓት ኰንካ ኣለኻ። እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ድማ፡ እቲ ብመንግስትኻ ዝግበር ወትሩ ኣሉ-ቐጣን እዩ። ቅልውላዋት ንግዚኡ ናብ ብካልኦት ክተሳብበሉ ትኽእል። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገባናት መንግስትኻ ግን ካልኦት ክሕመሉልካ ኣይኽእሉን ። “እዝን እዝን ኣጕዲልና ብከምዝን ከምትን ንጸግኖ፣ እዝን እትን ኣየዋጸኣናን እዩ፣ መንገድና ነስተኻኽል” ዝብል ዕቱብ ዘተ ክካየድ ኣይረኣኹን። ብኣንጻሩ፡ እቶም ንደገ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዘይተደለይትን “ሸሓኒ እንዳ’ማቶም ከልምጹ” ዝኸዱ ዘለዉን፣ ወጻኢ እንዳ “መዓርን ጠስምን” መሲልዎም ሀጽ ዝብሉ ከምዘለዉን እዩ ክጋዋሕ እንሰምዖ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ቀደም ዝኽርታት እንዳ ኣለዓዓለ ድቃስ ከሊኡኒ። ኣብ እዋን ሻድሻይ ወራር፡ ብ1982፡ ካብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ስዉእ ዑስማን ካካይ ሓንቲ ደብዳበ ሰዲዱልካ ነይሩ። ኣብ ጥግሕ ዝበሃል ከባቢ ዔላ ጻዕዳ ዓሪድና ነይርና። ሓንቲ መዓልቲ ሓደ ንደጀን ዝኸይድ ሰብ ረኺብናስ፡ ኣነ ደሓን ዝኾነት ናይ ዕርክነት ደብዳበ ጽሒፈልካ፡ ዑስማን ግን “Keep your molecules and your democracy in your pocket.” ኢሉ ጽሒፉ ምስ ወደአ፡ ኣነ ንምንታይ ከምኡ ኢልካ ትጽሕፍ ኢለ ተቐዪመሉ። ንሱ ኢሉ “እዚ ግዜ ትምህርትን ፖለቲካ ኣይኮነን። ወተሃደር እየ። ኤርትራ ናጻ ምውጻእ ክኸውን ኣለዎ ቀዳማይ ዕማመይ። ንጽባሕ፡ ደሞክራሲ’ዶ መንግስቲ ዝብሉ ኣብ ደጀን እኹላት ሰባት ኣለዉና። እቶም ናይ ኣእምሮ ኣብ ደጀን ኣለዉ። ዓድና ከኣ ሊቓውንቲ ኣይሰኣነትን” ኢሉኒ። እታ ደብዳበ በጺሓትካ እያ። ደሓር እውን ክንራኸብ ከሎና ንስሕቐላ ነይርና። ዑስማን ናጻ ኤርትራ ክርኢ ኣይበቕዐን። ከም ትፈልጦ ብ1988 ኣብ ሮራ መንሳዕ ተሰዊኡ። ዑስማን ኣብነት ናይቲ ተጋዳላይ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዝኸስኸሶም ምዑታት ክኸውን እንከሎ፡ እዞም ሎሚ ብኣእላፍ መጻወቲ ጨካናት ደላሎ ዝኾኑ ዘለዉ፡ እዞም ንሃገሮም ዘይኮነስ ንነብሶም እውን ክኸላኸሉ ዘይከኣሉ ዘለዉ መንእሰያት ናጻ ኤርትራ ድማ ፍርያት ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ እዮም። ይረኣየካ ‘ዶ ኣሎ እቲ ፍልልይ? ኤርትራዊ ኤርትራዊ እዩ ወዲ ገራህቱ። ኣይተቐየረን። እቲ ናይ ቐደም መንእሰይ፡ ብሕራነኡን ድርቕንኡን ብተበግሶን ርእሰተኣማንነትን ዝልለ ዝነበረ ዕላማ ስለዝነበሮ እዩ። ንጭኮናን ዓመጽን ገዛእቲ ቐንጢጡ ሓንቲ ህዝባ ዝውንና፡ ስርዓትን ሕግን ዝነገሳን ተስፋ ዝዓሰላን ሃገር ከረጋግጽ ኣንቂዱ ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ግን እቲ ጩራ ተስፋ ተነፊግዎ። ኣብ ምምዕባልን ትምህርታዊ ትሕዝቶን ኣመሃህራን ናይ ክልቲኡ ወለዶታት ተሳቲፍካ ጥራይ ዘይኮነስ ማእከላዊ ቦታ ነይሩካ። እቲ ተጋዳላይ ተስፋንኪኤልን ምዑታት ብጾቱ ዘፍረዮ መንእሰይ ቐደም፡ ንመስዋእቲ ዝቐዳደምን ብትሩን ኒሑን ዝልለን ብጸቕጥን ታህዲድን ዘይጸዓድ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሓቒ ናይ ምድራቑ “ደረቓት ፊተውራሪ” ዝበሃል ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ካሩክለም ትምህርቲ/ሕጂ ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዘፍረዮ መንእሰይ ግን፡ ብጭፍለቓ ካድረታት ህግድፍን ኣዘዝቲ ሰራዊቶምን ዝባህረረን፡ ካብ ረመጽ ህግድፍ ናብ ቓልቓል ዝብል ምድረ-ገሀነብ ሲናይን፡ በረኻታት ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ዘምርሕ ዘየቛርጽ ዋሕዚ ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ረኺቡና ወዲ ገራህቱ?
4. ብልክዕ፡ ኤርትራ ካብቲ ንኣከባቢና ዘጋጥሞ ዘሎ ዕድላት ዕብየት ኣዝያ ንድሕሪት ተሪፋ ኣላ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝገደደ ድማ፡ ኣንፈት ምረሸኣ ንድሕሪት፡ እንዴትሮ እያ ትጓዓዝ ዘላ። ብሰንኪ እቶም ኒሕ ዘይፍለዮም ደቃ፡ ምስ ኩሉ መሰናኽላት ኢዳ ኣይሃበትን። ግን እናዓበረትን እናተረመሰትን እያ። እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቑጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ብደሆታት ቀለልቲ ኣይኮኑን። እቲ ጸገም፡ ኩሉ ሕመቕና ንካልኦት ለጢጥናስ “ደም ተሓለብ” ዝብለና እንተንረክብ ከ! ስለ’ዚ፡ ግዜ ፍርዱ ይህብ ኣሎ። ሃገርና ትምረሓሉ ዝጸንሓት ጎደና፡ ጎደና ዕንወት ከምዝኾነ ኣዚኻ ትፈልጥ ኢኻ። ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ስልጣን ትረኽቦ ረብሓ ከምዘይብልካ እፈልጥ እየ። ካብ ትፈትዋ ኣለም ተረሓሒቕካ፡ ነተን እንፈልጠን ደሞዝ ክንድዚ ክትግዛእ ከምዘይትኽእል እፈልጥ እየ። ግዜ ክትውከስን፡ ኣውያት ደለይቲ ፍትሒ ክትሰምዕን እምሕጸነካ።
5. ዝበዝሕ ኤርትራዊ ኣብ ዓድና ፍትሒ ክነግስን ሂወት ናብ ንቡራ ክትምለስን እዩ ዝደሊ። ካብ ተመክሮይ ከምዝረኣኽዎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ጸላእቲ ኤርትራ እትብሎም ሰባት፡ ብዘይካ ሰናይ ኤርትራ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ የብሎምን። መንግስቲ ኤርትራ ሰናይ መገዲ እንተዝመርጽ፡ ልኡላውነት ናይ ህዝቢ ምኻኑ እንተዘረጋግጽ፡ እቶም “መንድስቲ ክግምጥሉ ይደልዩ” ኢልካ እትኸሶም ወገናት ጸግዖም ምሓዙ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወሳኒ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ግን ህዝቢ ናብ ጎነጽን ጥሩፍነትን ከም ዘብል እዩ ዝገብር። ምኽንያቱ ንጨፍላቕን መላኽን መንግስቱ ክንድ’ዚ ዕድል ዝሃበ ህዝብታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።
6. ልኡላውነት ሃገር ክትደጋገም እሰምዕ እየ። ብሰንኪ ምስምስ ልኡላውነት ሃገር ደቂ ኤርትራ ክኸላበቱን ክሓስሩን እንክርኢ “እንታይ እዩ እዚ ናይ ልኡላውነት ነገር” ክብልን ርእሰይ ክሓክኽን ጸኒሐ። ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ ኩልና ከምእንፈልጦ፡ ልኡላውነት ሃገርና ክንክልልን፡ ርእሳ ዝኸእለት ኣሃዱ ኮይና ክትቐውምን ብዙሕ ሃላኽ ኣሕሊፍና ኢና። ምንትኡ ትፈትዎም ብጾትካ ከፊልካ ኢኻ። ምእንቲ ምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ትፈትዎ ጅግና ሓውኻ ተቐጥቒጡ ምስጢር መታን ከየውጽእ ብከኒና ሰያናይድ ሂወቱ ኣሕሊፉ እዩ። ዕላማ ልኡላውነትን ዶባትን ግን ኣብ ውሽጣ ርግኣት ዝዓሰላ ሃገር፡ ልኡላዊ ህዝቢ ዝነብረላ ኤርትራ ትበሃል ስድራ-ቤት ክንምስርት እዩ ነይሩ እምበር መቐጥቐጥን መዐፈንን ህዝባ ዝኸውን መካበብያ ወይ ዘሪባ ክንነድቕ ኣይኮነን። ሃገር ምስ መሬታን መንግስታን ህዝባን መማዕበልን መመሓየሽን ሂወት ነበርታን እንተኾነት እምበር፡ ዜጋታታ ዝጭፍለቑሉን ዝዳጐኑሉን ግቢ እንተኾነት እንታይ ጥቕሚ ኣለዋ? እቲ ኤርትራውያን ዝወሰድዎ ሃገር ናይ ምምስራትን ዶባታ ናይ ምክላልን ሕርያ ንብልጽግነኦም ደኣ እዩ ነይሩ እምበር፡ ከምዚ እንርእዮ ብዘይፍትሒ ዝጎሳቖሉሉ ክሉል መሬት ንምምስራት ኣይኮነን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ዓድና ልኡላዊት እትኸውን ብምክላል ዶባትን ምንብልባል ባንዴራን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝባ ልኡላውነት ምስ ዝጭብጥን ዝለብስን፡ ባዕሉ ዝሰርሕ መንግስቲ ምስ ዝሽይምን ዝባርኽን፡ ነቲ ዘይሰርሕን ገስረጥ ዝኾነን መንግስቲ ድማ ምስዘባርር እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ከመይ ዝበለ ጅግናን ምቕሉልን ህዝቢ ኣብ ቅድመና ይበታተን ኣሎ። ከመይ ዝበለት ሃገር እናሓደረት ትድነስ ኣላ። ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ተስፈኣ ይበንን ኣሎ። ሓይልን ተበግሶን ናይቶም ሓዊ-ሓዊ ዝሽትቱን ትስፉዋትን ዝነበሩ መንእሰያት ዘመነ-ቓልሲ (ገባሩ ይኹን ተጋዳላዩ) ከበርክትዎ ዝግባእ ኣስተዋጽኦ ብዝግባእ ኣይተመዝመዘን። ኩነታት ናይቶም ናይ ሎሚ መንእሰያትና ድማ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እሞ እንታይ ይገበር? “ንኺድ ጥራይ” የዋጽእ ድዩ? ዘመነ “ግዝኣተ-እመኑና” ከ ክሳብ መዓስ እዩ ክቕጽል? እቲ ወጥሪ ዝያዳ እናኸረረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ለይቲ እውን እና ነውሐ እዩ። በዚ ሃገርና ተታሒዛቶ ዝጸንሐት ኣካይዳ እንተቐጺልና፡ እቲ ጸላም ክኸብድ እዩ። ኣቲ ለይቲ እውን ክምጠጥ እዩ፡ እቲ ወጋሕታ እናረሓቐ እዩ ክኸይድ። እዚ ጅግና ህዝቢ’ዚ ኣዚ ክፍደ ኣይግበኦን። ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኢና ዘለና ወዲ-ገራህቱ። ንዘልኣለም ዝኸይድ ጥንሲ የለን። ሃገርና ክትሓርስ ኣለዋ። ህዝብና ቅሩብ ክርህዎ ኣለዎ። ዋና ዋኒኑ ክኸውን ኣሎዎ። እንተ ብትሕም-ትሕም እንተ ብዓውታ “ከምዚ ርኢና ኣይንፈልጥን” ይብል ኣሎ። ኣቓልቦኡ ናብ ወጻኢ፡ ተስፍኡ ከኣ ካብ ትጽቢት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መቕርቡ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ ሃገርና በረውረው ከይትብል ንሰግእ ኣሎና። ጉልበት ዘለዎ ብእግሩ ይሃድመላ ኣሎ። እቲ ጉልበት ወይ ዕድል ዘይረኸበ ድማ ብሓሳቡ ሃሙን ይዕዘር ኣሎ። ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ብነብስኻ ናይ ምጥርጣርን፡ ትሑት-ስምዒትን፡ ምንቑልቛል ርእሰ-ምትእምማንን ኣዝዩ ዘጕሂ እዩ። ጠንቁ ድማ ብመንግስትኻ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ረገጻን ጭፍለቓን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣክንዲ ምስቶም ኣብ ጉዳያትና ንኸኣትዉ መንግስትኻ ባዕሉ ባብ ዘርሓወሎም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምፍጣጥን ምትህልላኽን፡ ሓንሳብ ሕሰብ። ንመን ኢኻ ተጋዲልካ? ንህዝብኻ ዲኻ ተጋዲልካ ወይስ ንድሕነትን ህላወን ሓደ ገባትን ረጋጽን ስርዓት? እቲ መልሲ ንዓኻ እገድፎ። ግን ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር። ግዜ ዳኛ እዩ። ግዜ መወከሲ እዩ።
ሓውኻ ማሕሙድ ሳልሕ
ናብ ክቡር ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ..ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር። ካብ ማሕሙድ ሳልሕ