ብዛዕባ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ማሕሙድ ሳልሕ
“ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ እውን ሓጋዚ ይኸውን መስለኒ። ተ/ታደሰ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከምዝነበረ ውልቃዊ ትዕዝብቱ እና ተወከሰ ከካፍለና ጸኒሑ። ኣብቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ትዕዝብትታቱ ሕጽረታት ይረኣየኒ ስለዘሎ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክጽሕፍ እግደድ ኣለኹ። ዕላማይ፡ ነንባባይን ጸሓፋይን ሓጋዚ ሓሳብ ይኸውን ካብ ዝብል ድሌት ዝነቐለ እዩ።
ብጻይ ታደሰ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፍትን ኣሎ። ሀ- ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ለ- እዚ ኣውራጃዊ ፖለቲካ እዚ በሰላታት ሓዲጉ ( በሰላታቱ ገና ከምዘሎ እዩ ዘስምዕ) ሕጽረታት ናይዚ ሓሳብ ብመጀመርታ ቅድሚ ሕጽረታት ብጻይ ታደሰ ምጥቃስ ሕጽረታተይ ክሕብር እፈቱ፤ ምኽንያቱ ነቲ ከለልዮ ዝኽእል ሕጽረታተይ ተረዲእካ/ኪ ምንባብ ሓጋዚ ‘ዩ እብል። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበኹ ብምዃነይ ቅሩብ ናይ ይብጸሓኒ ስምዒት ክህልወኒ ይኽእል ( ኣብዚኣ ምስ ታደሰ ሓደ ኢና)። እታ ካልኣይቲ፡ ንኣንባቢ ክሕግዝ ዝኽእል ክረአ ወይ ክድህሰስ ዝኽእል ከም ኣሃዛት ዘመሰለ ሓበሬታ(data) የብለይን። ስለ’ዚ መንጪ ጽሑፈይ ኣብ ኣቀራርባ ታደሰን ናተይ ትዕዝብትን ዝተመርኮሰ እዩ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ከም መልሲ ናይቲ ታደሰ ከስምረሉ ዝደሊ ዘሎ ማእከላዊ ሓሳብ ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ እደሊ። ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ወይ ኣይነበረን ንምባል ዘኽእል ሓበሬታ የብለይን። ከም ኣንባባይ ጽሑፉ መጠን ግን፡ “እዚ እንተዝማላእስ ጽሑፉ ንዘንብቡ ሚዛናዊ መረዳእታ ምረኸቡ” ከም ማለት ክውሰደለይ እደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ንታደሰ፡ ስለ እቲ ልስሉስን ወሓዝን ትረከኡ ከድንቖ እፈቱ።
ታደሰ፡ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ንምባል ኣብ በራጊድ 51ን 58ን ክ/ትምህርትን ዝነበረ ኣወዛዝዓ ሓላፍነት ጠቒሱ ኣሎ። እቲ በሰላታት ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ “ኣውራጃዊ ፖለቲካ” ድሕሪ ናጽነት እውን ከም ዝቐጸለ ንምርኣይ ኣብ ሚ/ትምህርትን ምክልኻልን ዝተገብረ ኣወሃህባ ሓላፍነታትን ወተሃደራዊ መዓርግን ከም ኣብነት ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብዘይካ ምእራም ብሄር ሮመዳን ኣውልያይ፡ ብወገነይ ኣብ ኣስማትን ቁጽርን ናይቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ዝብሎ የብለይን። ኣውልያይ ወዲ ብሄረ ትግረ እዩ መስለኒ።
ብዝኾነ፡ ሕጽረት ትረካ ታደሰ፡ ናይቲ ዘቕርቦ ቁጽሪ ዘይኮነስ እቲ ቁጽሪ ንባዕሉ ብከመይ ከምዝመጸ ከርኢ ዘይምኽኣሉ እዩ። ታደሰ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው መደምደምታታቱ ቅሩብ ዲሲፕሊን እንተዝህልዎ ጽቡቕ ምኾነ። 1- መደምደምታታትካ ካብቲ ኣብተን ሰለስተ ኣሃዱታት ዝረኣካዮ ኣመዳድባ ሓለፍቲ ዝብገስን ኣብኡ ዝምርኮስን ስለዝኾነ፡ እቲ መደምደምታታት ሓቂ ክኸውን እንተኮይኑ፡ እተን ሰለስተ ኣሃዱታት፡ ማለት ብ51ን 58ን ክ/ትምህርትን ብልክዕ ንኣቃውማ ናይ ኩለን ኣሃዱታት ናይቲ ውድብ ይውክላ ከምዝነበራ ንኣንባባይ ክተረጋግጽ ኣሎካ። እዚ ባውራጃን ሃይማኖትን ጥራይ ዘይኮነ ብግድምና እውን ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበርካሉ ግዜ ኣስታት 10 ብራጊድን ዳርጋ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ ብዙሕ ክፍልታትን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብተን ዝጠቐስካየን ኣሃዱታት ዝነበረ ኣቃውማ ሓለፍቲ ንኩለን እተን ብርጌዳትን ክፍልታትን ዝውክል ከምዝነበረ እንተዘየነጸርካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዓማሚ ሓሳባት ክትስንዝር ትኽእል? 2- እንተደኣ ንሳተን ንኩሉ ውድብ ዝውክል ኣቃውማ ነይሮመን ኮይነን፡ ካብቶም ዝተሸሙ ንላዕሊ ብቅዓት ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ወይ ዝተሃሰዩ ሰባት ክተቕርብ ኣሎካ። .- እዚ ንምግባር ድማ ቅጥዒ ኣወዛዝዓን ኣሽያይማን ናይቲ ግዜ እንታይ ከምዝነበረ ክተርኢ ኣሎካ። ኣብ ህ.ግ. እታ ሓንቲ ዝዝክራ “ከም ኣድላይነት” ትብል እያ ነይራ። ስለ’ዚ፡ በጋጣሚ ዝበዝሑ ሓካይም ካብ ሓደ ከባቢ ዝመጽኡ እንተነይሮም ንምንታይ ኣብ ክ/ሕ ጽዒቖም ክንብል ንኽእል ‘ዶ? ወይ ብገለ ተክኒካዊ ብቕዓታት ሓንቲ ኣውራጃ ኣብ ሓደ ክፍሊ ጽዕቕ ዝበለ ውክልና ሓለፍቲ እንተነይሮማ፡ ኣውራጃዊ ምኽንያት ነይርዎ ክንብል ንኽእል ዲና? 3- ስለ’ዚ ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ጌርካ ተሰላስሎ ዘለኻ ኣብ ግምት ክኣቱ እንተኾይኑ፡ ብውሑዱ ኣብተን ዝነበርካየን ኣሃዱታት ነቶም ትብሎም ዘለኻ ሓለፍቲ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ሰባት ከምዝነበሩ ክትሕብር ኣሎካ።
ጸገም ታደሰ፡ ብትዕዝብቲ ጀሚሩ ኣብ ትዝብቲ ዘይምሕጻሩ እዩ። ነቲ ውሱን ትዕዝብቱ ናብ ሓፈሻዊ ትርጉምን ፍርድን ይመጦ ኣሎ። ንኣብነት፡ ካብ ዓስርተ ኣጣል እተን ሽዱሽ ጸዓዱ እየን ምባልትዕዝብቲ እዩ። እተን ሽዱሽተ ኣጣል ጸዓዱ ስለዝኾና እየን ህጣራታት ኮይነን እንተኢልካ ግን ናብ መደምደምታን ፍርድን ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ናብዚ መደምደምታ ክትበጽሕ ካልእ ኩሉ ከህጥረን ዝኽእል ተኽእሎታት ፈሊኻ ክትውግን ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ክንድዚኦም ሓለፍቲ ካብዚ ከባቢ ነይሮም ምባልን እቶም ሰባት ደቂ እቲ ውሱን ከባቢ ብምዃኖም ሓለፋ ብሻርነት ረኺቦም ምባልን በበይኑ እዩ። እቶም ሰባት ሽመቶም ብወገነይ-ወገንካ ከምዝረኸብዎ ክተረጋግጽ እንተኾይኑ፡ እንተወሓደ እተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ክምለሳ ኣለወን።
ብካልእ ወገን ዴሞግራፍያዊ ኣቃውማ ህዝቢ ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ ምንጻር ነንባቢ ሓጋዚ ምኾነ። ህ.ሓ. ኣብ ሰምሃርን ከባቢ ካርነሽምን እዩ ዓብዩ። ደሓር ኣብ ሳሕል ሰሪቱ። ዝበዝሐ ቁጽሪ ቀዳሞት ተጋደልቱ ከብዚ ከባቢ ክኽውን እትጽበዮ ነገር እንተኾይኑ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቱ ‘ውን ከብዚ ውሱን ቦታታት ክነብሩ ከም ከምዝኽእሉ ዘካትዕ ኣይከውንን ‘ዩ። ትዕዝብቲ ታደሰ ንጂኦግራፍያዊ ውሱንነት ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ እዩ ዘንጸባርቕ ‘ምበር እቶም ሓለፍቲ ብኣውራጃዊ ፖለቲካ ስልጣን ከምዝተዋህቦም ዘርኢ ጭብጢ የብሉን። ህ.ሓ. ኣብ ቆላታት ሰራየ ተሓጺሩ ዓብዩ ነይሩ እንተዝኸውን ተመሳሳሊ ግድል መጓነፎ። ጻዕቒ ሓለፍቲ ደቂ ሰራየ ምሃለዎ። ካብቲ ታደሰ ኣተኲሩሉ ዘሎ ክርስታያናዊ ህዝቢ ከይወጻእና ንኣብነት፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብብዝሒ ተወላዶ ሰራየን ዓንሰባን እንኮላይ ሰንሒት ነይሩ ይበሃል። ናይ ጀኦግራፍ ረቋሒ ኢለ እየ ዝሓልፎ።
ተመክሮይ እንተደኣ ክኣምን ክኢለ፡ ህ.ግ. ብካልኩሌሽን ኣሃዱ ኣከለ ክንድዚ ድቂ ሰራየ ኣለዋ ‘ሞ ክንድዚ ደቂ ሰምሃር ንወስኸላ … ዝበሃል ዝነበሮ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ቦታ ቁጽጽር ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዘይነበርኩ ክሕብር እፈቱ። እቲ ጸገም ምብዛሕ ሓለፍቲ ካብ ውሱን ከባቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም፡ እዞም ሓለፍቲ እዚኦም ንሓላፍነቶም ተጠቒሞም ነቲ ወገነይ ዝብልዎ ከባቢ ምስ ዘሻርዉ እዩ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ርኡይ ደሞግራፍያዊ መቐይሮታት ዝነበርወን መድረኻት ነይረን እየን። ኣብ መጀመርያ ሱሳታት ተ.ሓ.ኤ. ብደቂ ባርካ ተዓብሊሉ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣበይ ድዩ እቲ ሰውራ ተጀሚሩc$ኣብ 1de#፡ ደቂ ከበሳን ቀይሕ ባሕርን ማርያን ዝበዝሕዎም ተጋደልቲ ንመሪሕነት ተሓ.ኤ. በውራጅነት ከሲሶም ተፈንጪሎም። ገሊኦም ግን ተጸሚሞም ነቲ ውድብ ከዕርዩ መሪጾም። ኣብቲ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይቲ ውድብ ም/ ኣቦ ወንበር ተ.ሓ.ኤ. ክኸውን ዝተመርጸ ወዲከበሳ (ክርስትያን) እዩ ነይሩ። ስዒቡ እውን ኣብ ሰብዓታትን ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ተ.ሓ.ኤ. ደቂ ከበሳ በዚሖሞ ከምዝነበሩ እውን ይፍለጥ።
እዚ ዘርእዮ እንተሎ፡ ህዝብና ፕሮፓጋንዳ ክልቲኡ ውድባት ዝምክት ኣእምሮ ከምዝነበሮ እዩ። ደቁ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይኮነስ ነናብ ዝቀረበቶም ውድብ ይስለፉ ምንባሮም ‘ዩ። ብኡ መጠን ኣብ ሓደ ውድብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ በዚሖም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ክስለፍ ከለኹ መጠን ብዝሒ ደቂ ከበሳን መታሕትን ተመጣጣናይ ነይሩ። ደቂ መታሕት ብብዝሒ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ክፍለዩ ከለዉ ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ናብ ህ.ግ. ይስለፉ ነይሮም። ስለ’ዚ ኣብዚ ንስኻ ትትርኸሉ ዘለኻ ግዜ ህ.ግ. ብደቂ ከበሳ ተዓብሊሉ ነይሩ። ምኽንያት ናይዚ፡ መሪሕነት ህ.ግ. ወይ መስመር ህ.ግ. ኣበር ስለዝነበሮ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ህ.ግ. ቁጽሪ ኣስላምን ክርስትያንን ሓለፍቲ ማዕረ ከምዘይነበረ እናፈለጥኩ ሓደ መዓልቲ ሕማቕ ከይተሰመዓኒ ተጋዲለ። ወደሓንካ ታደሰ። ሓውኻን ብጻይካን ማሕሙድ ሳልሕ